Saturday , May 18 2024
Demanding tea picking (Yan Chen/LSU AgCenter via AP) NYPS211

ስሪ ላንካ፡ ዕዳታታ ብቆጽሊ ሻሂ ክትከፍል ድሌት ከምዘለዋ ገሊጻ

ስሪ ላንካ ኣብ ዝሓለፉ እዋናት ካብ ኢራን ንዝዓደገቶ ነዳዲ ቅድሚ ሕጂ ብዘይተለምደ ሓድሽ ዓይነት ብዝኾነ ኣገባብ ክትከፍሎ ተስፋ ከምዘለዋ ተገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።
እዚ ተስፋ’ዚ ድማ ኣብ ወርሒ 46 ሚልዮን ክሮኖር ዝግመት ዋጋ ዘውጽእ ቆጽሊ ሻሂ፡ ነቲ ዳርጋ 2.3 ቢልዮን ክሮኖር ዝበጽሕ ዕዳ ናይ ኢራን ንምኽፋል የኽእለኒ እዩ ትብሎ ተስፋ ምዃኑ ቢቢሲ ጸብጺቡ። ከም ቤት ምኽሪ ቆጽሊ ሻሂ ናይታ ሃገር እንድሕር ኮይኑ፡ እዚ ጉዳይ እንድሕር ተሳኺዑ ኣብ ዓለም፡ ንኽፍሊት ናይ ወጻኢ ዕዳ ዝወዓለ ናይ መጀመርታ ፍርያት ከምዝገብሮ ተገሊጹ’ሎ።
ሚኒስተር ሕርሻ፡ ራሜሽ ፓቲራና፡ ብዛዕባ እቲ ሕቡራት መንግስታት ይኹን መንግስቲ ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ኢራን ዝኣወጁዎ ማዕቀባት ምጥሓስ ብዝምልከት፡ ዝኾነ ዓይነት ስክፍታ ከምዘይብሉ እዩ ዝገልጽ። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ድማ፡ ቆጽሊ ሻሂ ምስ ዓይነታት መግቢ ምስ ምምዳቡ ተታሓሒዙ፡ ነዚ ፍርያት ዘታኣታትዋ ባንክታት ኢራን ካብተን ማዕቀብ ዝተኣወጀለን ዝርዝራት ወጻኢ ብምዃነን ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።
ኮይኑ ግና፡ ናይቶም ዝዓበዩ ማሕበራት ናይ ኣብቆልቲ ቆጽሊ ሻሂ ተወካሊ ዝኾነ ማሕበር ዘራእቲ ሰይሎን ዝባሃል ማሕበር፡ በዚ ጉዳይ’ዚ ሕጉስ ኣይኮነን።
“እዚ ማለት እኮ፡ ንለኣኽቲ የርብሖም ማለት ኣይኮነን፥ ምኽንያቱ ንሕና ዝኽፈለና ብሩፒ ስለዝኾነ እቲ ናጻ ዕዳጋ ዝባሃል ይፈሽል እዩ ዘሎ። ንዓና ዝውስኸልና እዚ ዝባሃል ርኡይ ዝኾነ ጥቕሚ የብሉን” ክብል ወሃብ ቃል ሪሻን ራጃዱራይ ገሉጹ።
5 ሚእታዊ ዝኸውን ናይ ስሪ ላንካ ህዝቢ፡ ኣብቲ ኣብ ዓመት ብብዙሕ ኣማኢት ሚልዮናት ኪሎግራም  ቆጽሊ ሻሂ ኣብ ዝፈርየሉ ኢንዱስትሪ እዩ ዝነጥፍ። እታ ሃገር፡ ብሰንኪ ኮሮና ቫይረስ፡ ዘስዓቦ ናይ ቱሪዝም ኣታዊ ምንቁልቋል፡ ብዘጋደዶ ሽግር እያ ኣብ ናይ ዕዳ ቅልውላው ወዲቓ ዘላ።

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com