Saturday , May 18 2024
(AP Photo/Mindaugas Kulbis, file)

ስቶለንበርግ–“ብሰንኪ ወተሃደራዊ መናውራ ሩስያ ጸጥታ ኣውሮጳ ኣብ ሃደጋ ወዲቑ ኣሎ’”

ሩስያ ትማል ሓሙስ ምስ ቤላሩስ ብምዃን ወተሃደራዊ ልምምድ ምክያዳ ኣብ ኣህጒር ኣውሮፓ ዓብዪ ቊጠባዊ ስግኣት ፈጢሩ ምህላዉ ዋና ጸሓፊ ኔቶ ጀንስ ስቶለንበርግ ሓቢሩ።

“ሩስያ ኣብ ቤላሩስ እትገብሮ ዘላ ምውፋር ሰራዊት ብቐረባ ንከታተሎ ኣሎና። እዚ ድሕሪ ካልኣይ ኲናት ዓለም እቲ ዝዓበየ ምውፋር እዩ’’ ክብል ስቶለንበርግ ብሓሙስ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ ዋዕላ ገሊጹ። ስቶለንበርግ ምስ ቀዳማይ ሚንስተር ብሪጣንያ ቦሪስ ጃንሰን ብምዃን ኣብ ጒኣይ ቅልውላው ዩክሬይን ምዝታዩን ተፈሊጡ።

“እዚ ን ጸጥታ ኣውሮጳ ኣዝዩ ሓደገኛ እዋን እዩ። ክመጽእ ንዝኽእል መጥቃዕቲ ዘሎና ግዜ ይሓጽር እኳ እንተሎ ቊጽሪ ዝዋፈሩ ዘለዉ ወተሃደራት ሩስያ ግና ይውስኽ እዩ ዘሎ” ኢሉ። ንሱ ናብ ሚንስተር ጒዳያት ወጻኢ ሩስያ ሰርጌይ ላቭሮስ ኣብ ዝለኣኾ መልእኽቲ ኣብ ቆንስል ኔቶ-ሩስያ ክርከብን ነቲ ዘተ ክቕጽልለሉን ኣተሓሳሲቡ’ሎ’’።

ቀዳማይ ሚኒስተር ብሪጣንያ ቦሪስ ጃንሰብ ብወገኑ ብዛዕባቲ ጒዳይ ዘለዎ ሻቕላ ድሕሪ ምግላጽ ሓድሽ መጠንቀቕታ ኣመሓላሊፉ’ሎ።

መንደቕ በርሊን ምስ ፈረሰ ህዝቢ ኣውሮጳ ነጻነቱን ውሕስነቱን ልዕሊ ዝኾነ ካልእ ኣዕዚዙ ከም ዝርእዮም ገሊጹ እዩ። ሕጂ ናብቲ ነጻነት ውልቀሰባት  ብ ልዕለ ሓያላን ዝውሰነሉ ዘመን ክንምለስ ኣይኮንና ክብል ጃንሰን ገሊጹ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com