Monday , May 20 2024

ስቶርሚ ዳኒኤልስን ዶናልድ ትራምፕን ኣብ ቤት ፍርዲ ይዋጠጡ

ስቶርሚ ዳኒኤልስን ዶናልድ ትራምፕን ነቲ ዝጸንሖም ጾታዊ ዝምድና፥ ኣፍ መዕበሲ ተባሂሉ ዝተኸፍለ ገንዘብን ባዕባዚ ጒዳይ ዘሎ
ህዝባዊ ዝንታወን ንምውናን ክገብርዎ ዝጸንሑ ናይ ውልቆም ጻዕርን ኣብዚ ዝካየድ ዘሎ መጋብእያ ጎሊሑ ይወጽእ ምህላዉ
ተገሊጹ። እዚ ወጥሪታት፥ – ከምኡ'ውን ነዚ ዘሰኒ ኣነዋሪ ዝርዝራት፥ ትማል ሰሉስ ኣብ ቤት ፍርዲ ወጺኡ’ሎ። ኣብ
ፖርኖግራፍያዊ ፊልምታት እትዋሳእ ሚስ ዳኒኤልስ ኣብቲ ታሪኻዊ ገበናዊ ፍርዲ ትራምፕ ምስክርነታ ንምሃብ ምቕራባ—ቀንዲ
መዛረቢ ዛዕባ ማዕከናት ኣመሪካ ኮይኑ’ሎ። ንሳ ነቲ ፕረዚደንት ተለልዮ ዶ ተባሂላ ምስ ተሓተተት ገዲፍካ ኣብቲ መጋባእያ ሓንሳብ
እውን ኣይጠመተቶን። ሚስ ዳኒኤልስ ኣብቲ ምስክርነታት ዝበዝሐ ግዜ ምስ ዝነበሮም ጾታዊ ዝምድና ኣብ ምዝርዛር እያ
ኣሕሊፋቶ። እዚ እናኾነ ትራምፕ ነቲ ክሲ ከም ዝነጽጎ ንምምልካት ርእሱ ክንቕንቕ ተርእዩ እዩ።
ትራምፕ ናይ ሓሶት መዛግብቲ ንግዲ ብምቕራቡ ብ 34 ገበናት ክሲ ቀሪቡሉሎ። ። እቲ ምስ ሚስ ዳንኤልስ ዝተኣሳሰር ክሲ ኣፋ
ንምዕባስ 130 ሽሕ ዶላር ንምኽፋል ዝተገብረ ፈተነ ዝምልከት እዩ። ንሱ ምስኣ ዝኾነ ጾታዊ ርክብ ከምዘይፈጸመ እንተኾነ ግና
ጠበቓኡ ነበር ማይክል ኮሄን፡ ሚስ ዳንኤልስ ብዛዕባ እቲ ምስ ትራምፕ ፈጺመዮ ትብሎ ጾታዊ ርክብ ኣፋ ንኽትዓብስ ገንዘብ ከም
ዝኸፈላ ተኣሚኑ እዩ። ንሳ ትማል ሰሉስ ኣብ ዝሃበቶ ምስክርነት ኣዝዩ ዝርዝራዊን ንሰማዒ ዘነውርን ዝርዝራት ጾታዊ ርክብ
ብምዝራባ ጠበቓ ትራምፕ እቲ ክሲ ክስረዝ ሕቶ ኣቕሪቡ ምንባሩ ቢቢሲ ወሲኻ ጸብጺባ’ላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com