Saturday , May 18 2024

ስቶክሆልም፡ ኣብ እዋን ቅልውላው ኮሮና ቁጽሪ ነፍሰጾራት ምውሳኹ ተሓቢሩ

ኣብ ወርሓት ሓምለን ነሓሰን ቁጽሪ ነፍሰጾር ደቀንስትዮ ምውሳኹ ሬድዮ ሽወደን ሓቢሩ።

“ኣብ ወቕቲ ጽድያ ብሰንኪ ቅልውላው ኮሮና ብብዝሒ ቈልዑ ክውለዱ እዮም”! ዝብል ዋዛ  ሕጂ ግና ናብ ጋህዲ ይቕየር ምህላዉ ኣሕራሲት ግላዊ ክሊኒክ ሶደርማልም፡ ሳራ ፕሪቨዝ፡ ገሊጻ።

ብሰንኪ ብዝሒ ብጹሓት ነፍሰጾራት ናብ ካልኦት ክሊኒካት ከይደን ኣገልግሎት ክረኽባ ከም ዝገብረት ዝገለጸት እዛ ሓኪም “ደቀንስትዮ መን ይስዓበና” ዝብል ሻቕላ ከም ዘለወን ሓቢራ። ምዝገባ ነፍሰጾራት፡  ብሰንኪ ጸቕጢ ስራሕ ቁሩብ ምድንጓዩን ክሳብ መበል 13 ሰሙን ናይ ጥንሲ ግዜ ክናዋሕ ከም ዝኽእልን ድማ ሓቢራ። ንኣብነት ሓንቲ ሰበይቲ መርመራ KU ክትወስድ እንተ ደልያ  ካብ 12 ክሳብ 13 ሳምንታት ክወስደላ ይኽእል እዩ። በዚ ድማ ብዙሓት ሰባት ሻቕላ ከም ዝስምዖም ገሊጻ።

“ኣብዚ ክሊኒክ ክምዝገባን ክንክን ክግበረለንን ዝኽእላ ብቑጽሪ ዝተወሰና ጥራይ እየን” ኢላ።

“ኣብ ክራማት ዝወሓደ ብዝሒ ነፍሰጾራት ክህሉ እዩ ዝብል ገምጋም እኳ እንተነበረ ቅልውላው ኮሮና ግን ነዚ ገምጋም ቁልቁል ዝኣፉ ከም ዝቐየሮ” ድማ ኣብ ምምሕዳር ስቶክሆልም ሓላፊት ስርሒታት ጥዕና፡ ሊሳ ሬድን፡ ሓቢራ።

“ኣብ ኣዋን ምዝገባ ብዙሕ ጸቕጢታት ኣሎ። ብሓፈሻ ኣብ ዝተገልጸ ሰሙን ቈጸራ ንህብ እኳ እንተነበርና ሕጂ ግና ካብ ዓቕምና ንላዕሊ እዩ ኮይኑ ዘሎ። ስለዚ ድማ ኣማራጺታት ብምርኣይ ኢና ንሰርሕ ዘሎና” ኢላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com