Saturday , May 18 2024
Time for all adults in Stockholm with six months since the second dose. Foto: Anders Wiklund / TT kod 10040

ስቶክሆልም . . . ልዕሊ ዕድመ ዝኾኑ ሰባት፡ ሳልሳይ እብረ ክታበት ክወስዱ ከምዝኽእሉ ተሓቢሩ

ተቐማጦ ምምሕዳር ስቶክሆልም፡ ቅድሚ 6 ወርሒ 2ይ እብረ ክትባት ዝወሰዱ ዕድመኦም ልዕሊ 18 ዓመት ዝኾኑ ሰባት፡ 3ይ እብረ ክትባት ክወስዱ ከም ዝኽእሉ ተሓቢሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።
3ይ እብረ ክትባት ንምውሳድ ዝግበር ቆጸራ፡ ብናይ ሞባይል ናይ ጽሑፍ መልእኽቲ ኣቢሉ ኣብዚ ሰሙን ን 190 ሽሕ ሰባት በብእዋኑ ክስደዶም ምዃኑ እቲ ምምሕዳር ኣብ ዘውጾ መግለጺ ኣፍሊጡ። ብዘይካ እዚ፡ ብ ‘Always open’ ዝብል ኣፕሊከሽን ብምጥቃም፡ ቆጸራ ክታሓዝ ከምዝከኣል ተሓቢሩ ኣሎ።
3ይ እብረ ክትባት ንምውሳድ ናይ ጽሑፍ መልእኽቲ ምስ በጽሐካ፡ በቲ ዝተጠቕሰ ኣፕሊከሽን ኣቢልካ፡ ቆጸራ ክትሕዝ ትኽእል። እቲ ሳልሳይ እብረ ክትባት ብዝተኻእለ መጠን ብቐሊሉ ንምብጻሕ ዘኽእሉ ክሊኒካት፡ ኣብ ከተማ ስቶክሆልምን ከባቢኣን ኣለውና” ክብል ኣዋሃሃዲ ክታበት ምምሕዳር ስቶክሆሎም፡ ማግኑስ ታይበሪ፡ ሓቢሩ።
እዚ ክባሃል ከሎ፡ ኣብ ዓመተ 1957 ወይ ቅድሚኡ ዝተወለዱ ኮይኖም እንተወሓደ ቅድሚ 5 ወርሒ እቲ 2ይ እብረ ክትባት ዝወሰዱ፡ ኮምኡ’ውን ዕድመኦም ልዕሊ 18 ኮይኑ እቲ ኻልኣይ እብረ ክትባት ቅድሚ 6 ወርሒ ዝወሰዱ ሰባት እዚ 3ይ እብረ ክትባት ክወሰዱ ከምዝኽእሉ ክፍለጥ ተኻኢሉ’ሎ።
ኣብዚ ሕጂ እዋን ብርክት ዝበላ ምምሕዳራት፡ ዕድመኦም 18 ወይ ካብኡ ንላዕሊ ንዝኾኑ ሰባት ኣብ ዝሓለፉ ሳምንታት፡ 3ይ እብሪ ክትባት ክህባ ከምዝቐነያ ተፈሊጡ’ሎ። ንኣብነት ምምሕዳር ስኮነ፡ ካብ ወርሒ ታሕሳስ ዕለት 20፣ ሃላንድ ካብ ወርሒ ታሕሳስ ዕለት 16፣ የቭለቦሪ ካብ ወርሒ ታሕሳስ ዕለት 14፣ አረብሩ ካብ ወርሒ ታሕሳስ ዕለት 9 ኮምኡ’ውን ኖርቦተን ካብ ወርሒ ታሕሳስ ዕለት 2 ክትባት ምሃብ ከምዝጀመራ ይዝከር።

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com