Monday , May 20 2024
Claudio Bresciani / TT / kod 10090

ስቶክሆልም ተራ ሽማግለታት ብምዕዛዝ ምልባዕ ለበዳ ኮሮና ኣብ ምዕጋት ተዓዊታ ተባሂሉ።

ዋና ኣማኻሪ ሕማማት ለበዳ ኣንደርስ ቲግኔል ኣብ ኣባይቲ ሽማግለታት ዝኽሰት ምልባዕ ለበዳ ብምግታእ ዝወሰደቶ ስጒምቲ ከም ኣብነት ክውሰድ ዝግብኦ እዩ ኢሉ። ” ብፍላይ ድማ መሰረታዊ ጽሬትን ኣሰራርሓ ምምካንን በቲ ዝድለ መጠን እናሰራሕናሉ ክንቅጽል ኢና” ክብል ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ ዋዕላ ኣብሪሁ’ሎ። ሕጂ ኣብ ኣባይቲ ሽማግለታት ስቶክሆልም ዘሎ ዝወሓደ መጠን ለበዳ ናይዚ ዝተወስደ ስጒምቲ ኣዎንታዊ ውጽኢት እዩ ድማ ኢሉ። ዳይረክተር ኣውራጃዊን ቆንስል ምምሕዳር ከተማን ኤማ ፕላምበር እዚ ግና ብዙሕ ዝተርፎ ኣገባብ ምዃኑን ናይ ጽሬት ጒድለት ኣብ ገለ ምምሕዳራት ከተማ ይረአ ምህላዉ ድማ ተገሊጹ።

ክፍሊ ማሕበራዊ ድሕነት ትማሊ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ፍርቆም ካብቶም ብሕማም ኮሮና ህይወቶም ዝሓለፉ ሰባት ኣብ እንዳ ሽማግለታት ዝናበዩ ልዕሊ 70 ዝዕድሚኦም ርብዖም ከኣ ኣብ ኣባይቶም ክንክን ዝግበረሎም ሽማግለታት ምንባሮም ድም ኣመልኪታ። ” መሰረታዊ ጽሬት ብቐንዱ ክስራሓሉ ዘለዎ እዩ” ክብል ፕላምበር ንኣገልግሎት ዜና ሽወደን ኣብ ዝሃቦ ቃል ኣስሚራትሉ’ላ። ነፍሲወከፍ ዘድልዮ ዘበል ናውቲን ክእለትን ከድልዮም እዩ ድማ ኢላ። እቶም ዝተጐድኡን እቶም ጥዑያትን እውን በበይኖም ዝኾንሉ ኣገባብ ክፍጠር ኣለዎ።

” ምስ ጽሬት ዝተሓሓዝ ዘሎ ተማእዛዝነት ንከታተሎ ኢና፥ ዘገምታዊ ምምሕያሽ ምህላዉ እውን ንግንዘብ ኢና። እንተኾነ ግና ዛጊት ብድሆታት ኣለዉና” ድማ ኢላ። ኣብ ክፍሊ ማሕበራዊ መድሕን እትሰርሕ ኢሪን ካርልሰን ኣብ ዝሃበቶ ቃል ኣብ ኣባይቲ ሽማግለታት ዘሎ ኲነታት ጥዕና እናሓሸ ምምጽኢ ሓቢራ። ንሳ መብዛሕትኦም ሕጂ ካብዞም ዝሞቱ ቅድሚ ሒደት ሳምንታት ዝተለኽፉ ምዃኖምን ምምሕዳራት ከተማ ኣድላዪ ዝተባህለ ስጒምቲታት ምውሳዶምን ድማ ወሲኻ ገሊጻ። ኣብ መወዳእታ ” ዘለናዮ ኲነታት ጸልማት እዩ ዝበሃል እኳ እንተዘይኰነ ሓደገኛ እውን እዩ። ዘድሊ ናይ ጽሬት መስርሓት ብጥብቂ ክስራሓሎም ኣለዎ” ኢላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com