Saturday , May 18 2024

ስቶክሆሎም፡ ክልተ ሰባት ኣብ ምልውዋጥ ቶኽሲ ተቐቲሎም።

ኣብ ምዕራብ ስቶክሆሎም ከባቢ ቬሊንግቢ ሎሚ ሰሉስ ከባቢ ሰዓት 2 ናይ ምሸት ኣብ ዘጋጠመ ምልውዋጥ ናይ ቶኽሲ፡ ክልተ ሰባት ሂወቶም ከም ዝሳኣኑ ጋዜጣ ኣፍቶንብላደት ሓቢራ። ብዛዕባ እቲ ኣጋጣሚ ኣመልኪታ መርበብ ሓበሬታ ሽወደን TT ኣብ ዘመሓላለፈቶ ዜና፡ ኣብቲ ዝተኻየደ ናይ ቶኽሲ ምልውዋጥ ክልተ ሰባት ህወቶም ከምዝሰኣኑ ሓቢራ።

ፖሊስ’ቲ ከባቢ ካብ ዝተፈላለዩ ሰባት ንምልውዋጥ ቶኽሲ ኣመልኪቶም ከም ዝደወሉን እቲ ኣጋጣሚ ኣብ ቤት ትምህርቲ ወይ ኣብ ከባቢ መንበሪ ኣባይቲ ከምዘይተፈጸመ ፖሊስ ሓቢሩ። ኣብቲ ከባቢ ኣስታት 20 ኣባላት ፖሊስ፡ ኣባላት ህጹጽ ረዲኤትን ኣምቡላንሳትን ከምዘለውን። ኣብ ልዕሊ ነባሪ ህዝቢ ዝወረደ ጉድኣት ከምዘየለን ነቲ ኩነታት ንምጽራይን ንምርግጋእን ዝከኣለና ክንገብር ኢና ክትብል በዓልቲ መዚ ፖሊስ’ቲ ከባቢ ዝኾነት ኦላ ኦስተርሊንግ ሓቢራ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com