Sunday , May 19 2024

ስነጥበባዊት ቪልሄልሚና ትሮስት—”እንስሳታት መዘናግዒና ኣይኮኑን”

ስነጥበባዊት ቪልሄልሚና ትሮስት ኣብ ስቶክሆልም ኣብ ዝርከብ “ኣኒሜሽንስካደሚን” ኣብ ዘቕረበቶ ኣካል ፕሮጀክት ምረቓ
ዝኾነ ሓጺር ፊልም ንኣምርን ኣታሕዛን መካነ እንስሳታት ነቒፋ። ዕላማ ናይታ ሓጻር ፊልም ብዛዕባ ምስ እንስሳታት ዝተኣሳሰር
ኣብ ህሉው ሞራላዊ ኣተሓሳስባ ዘሎ ክትዓት ክቕጽል ንምትብባዕ እዩ። 'ሰብኣዊ' ዝብል ኣርእስቲ ዘለዋ እዛ ፊልም፡
ስቶፕሞሽንን 3Dን 2Dን ኣኒሜሽንን ተጠቒማ ዝተሰርሐት ኮይና፡ ኣብ ዙርያ ወዲ 3 ዓመት ቶርስተን ዘማእከለት እያ። እዚ ህበይ
ኣብ ታሕሳስ 2022 ኣብ መካነ እንስሳታት ፉሩቪክ ብጥይት ካብ ዝተቐትሉ ቺምፓንዚ ዝተባህሉ ዓሌት ኣህባይ እቲ ብዕድመ
ዝነኣሰ እዩ። ስነጥበባዊት ትሮስት ኣብቲ ኣጋጣሚ
“እንስሳታት ከም መዘናግዒ ክንሕዞም ይግባእ ዝብል እምነት የብለይን” ክትብል ንሬድዮ ሽወደን ገሊጻ’ላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com