Saturday , May 18 2024

ስእሊ፡ ናይታ ኣብ እዋን ቅትለት ጓል 12 ዓመት ቆልዓ፡ ዝተጠቀሙላ መኪና ብፖሊስ ይዝርግሕ

ስእሊ ናይታ ኣብ እዋን ቅትለት ጓል 12 ዓመት ቆልዓ ዝተጠቀሙላ ተባሂሉ ዝንገረላ ኮምቢ ዝዓይነታ ጻዕዳ መኪና ብፖሊስ ምዝርግሑ ተፈሊጡ።

ፖሊስ፡ ብዛዕባ’ቲ ፍጻሜ ምጽራይ እናካየደ እንከሎ፡ ነዛ ስእሊ፡ ካብ ኣብቲ ከባቢ ዝርከብ መቆጻጸሪ ካሜራ ናይ ማክዶናልድስ ከምዝረኸባ ብምግላጽ፡ ብዛዕባ እዛ መኪና ዝኾነ ዓይነት ሓበሬታ ዘለዎ ሰብ፡ ናብ ፖሊስ ብምቕራብ ሓበሬትኡ ከመሓላልፍ ምሕጽንትኡ ኣቕሪቡ ክብል መርበብ ሓበሬታ SVT ኣቃሊሑ።

ኣብ እዋን ገበን ቅትለት እዛ ቆልዓ፡ ብዙሓት ሰባት፡ ነዛ መኪና ዝረኣይዋ ከምዘለዉን እንተኾነ ግን፡ ብሰንኪ ፍርሂ፡ ዝፈልጥዎ ሓበሬታ ከመሓላልፉ ከምዘይከኣሉን፡ ፖሊስ፡ እምንትኡ ይገልጽ።

ብዛዕባ’ዛ መኪና ዝምልከት ሓበሬታ፡ ናይ ቅድሚ ፍጻመ ገበን ዝነበረ ይኹን ናይ ድሕሪኡ፡ ንፖሊስ፡ ብጣዕሚ ኣገዳሲ ምዃኑ ኣብ ኤሌክትሮኒካዊ መርበብ ሓበሬትኡ ከም ዝጸሓፈ ተፈሊጡ።   


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com