Sunday , May 19 2024

ስደተኛታት ጽዒና ካብ ቱኒዝያ ዝተበገሰት ጃልባ ብምጥሓላ፡ 39 ሰባት ሞይቶም

ካብ ገማግም ሃገረ ቱኒዝያ ቁሩብ ምስ ረሓቓ፡ ክልተ፡ ስደተኛታት ጽዒነን ዘንሳፍፋ ዝነበራ ጃላቡ ብምጥሓለን፡ ካብቶም ኣብ ልዕሊአን ዝጓዓዙ ዝነበሩ ሰባት፡ ህጻናት ዝርከብዎም 39 ሰባት ከምዝሞቱን ክሳብ ሕጂ 165 ሰባት ከምዘድሓኑን፡ መስርሕ ምድሓን ይቕጽል ከምዘሎን ሚኒስተር ምክልኻል ቱኒዝያ ሓቢሩ።

እዘን ዝበዝሑ ዜጋታት ሃገራት ትሕቲ ሳሃራ፡ ኣፍሪቃ፡ (sub-Saharan Africa) ዝኾኑ ስደተኛታት ጽዒነን ዝጓዓዛ ዝነበራ ጀላቡ፡ ትማሊ ናብ ሰሉስ ዘውግሕ ለይቲ ካብ ቱኒዝያ ከምዝተበገሳን፡ ዕላመአን ድማ ናብ ኤውሮፓ ንምብጻሕ ከምዝነበረ ወሃብ ቃል ሓለዋ ገማግም ባሕሪ ቱኒዝያ፡ ሁሴም ጀባቢል ገሊጹ።

ኣብ ቀረባ ዓመታት፡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት፡ ብመንገዲ ማእከላይ ባሕሪ ኣቢሎም፡ ካብ ኣፍሪቃ ናብ ኤውሮፓ ክሰግሩ ኣብ ዝፈተንሉ እዋን፡ ብሓደጋ፡ ሂወቶም ከምዝሰኣኑ ይፍለጥ። እቲ ቀንዲ ጠንቂ ናይቶም ዘጋጥሙ ሓደጋታት ድማ ልዕሊ ዓቐን ጽዕነትን ብቕዓት ዘይብለን ጀላቡ ብምጥቃምን ከምዝኾነ ጸብጻባት ሓለዋ ገማግም ባሕሪ ይሕብሩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com