Saturday , May 18 2024

ሶማልያ፡ ናይ “ሞባይል ማኒ” ኣገልግሎት ክትህብ እያ

ሰብ መዚ ሶማልያ፡ ኣብታ ሃገር ናይ መጀመርታ ምዃኑ ዝንገረሉ፡ ስሩዕ ኣገልግሎት “ሞባይል ማኒ” ምሃብ ምጅማሮም ዝሓለፈ ቐዳም ኣፍሊጦም። እዚ ድማ ነቲ ብሰፊሑ፡ ኣብ ጥቕሚ ውዒሉ ዝጸንሐ ኣገልግሎት ዲጂታላዊ ክፍሊት፡ ስርዓት ንምትሓዝ ክውዕል እዩ ተባሂሉ።

ማእከላይ ባንክ ሶማልያ፡ ነቲ ኣብታ ሃገር ዝዓበየ ምዃኑ ዝንገረሉ ኣቕራቢ ኣገልግሎት ቴለኮምኒኬሽን ዝኾነ፡ ሖርሙድ ተሌኮም፡ ፍቓድ ንግድ ከም ዝሃቦን እዚ ድማ ካብ 3 ሚልዮን ክሳብ 3.6 ሚልዮን ንዝኸውን ህዝቢ ሶማል ኣገልግሎት ክህብ ምዃኑን ተገሊጹ’ሎ።

ማእከላይ ገንዘባዊ ፖሊሲ ብዘይምህላዉ፡ ምጥቃምን ዝርግሐን ባጤራ ሶማል ከንቈልቊል ምጽንሑ ዘመልከተ እቲ ሓበሬታ፡ ውሑድ ገንዘባዊ ባጤራ ክሕተም ምጽንሑ ንባዕሉ ርእሱ ዝኸኣለ ጸገም እዩ ኢሉ።

እዚ ይዂን’ምበር፡ ኣብ ሶማል፡ ብሕታውያን ኩባንያታት ምዕንባበንን ዘይተወሰነ ናይ ሞባይል ማኒ ኣገልግሎት ኣብ ምሻጥ: ምዕዳግን ምልኣኽን ገንዘብ ብብዝሒ ከም ዝዝውተር ጸብጻባት የመልክቱ። ኣብ ሶማል፡ ኣገልግሎት ሞባይል ማኒ ቅድሚ ዓሰርተ ዓመታት እኳ እንተ ተጀመረ፡ ስርዓት ሒዙ ከምዘይጸንሐ እዩ ዝግለጽ።

እዚ ሓድሽ ሕጊ ነዚ ዲጂታላዊ ናይ ዕድጊ መስርሕ ብምውዳድ፡ ኣብታ ሃገር ዘሎ ፋይናንሳዊ ስርዓት ምስ ኣህጒራዊ ስርዓተ ፋይናንስ ንኽወሃሃድ ዝገብር እዩ ክብሉ ሰብ መዚ ገሊጾም ኣለዉ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com