Saturday , May 18 2024

ሶሻል ዲሞክራት ዋላኳ ጽንኩር ተቓውሞ እንተጋጠሞም ብህዝቢ ፍቱዋት ኰይኖም ምቕጻሎም ተፈሊጡ።

መንግስቲ ዝመርሑ ዘለዉ ሰልፊ ሶሻል ዲሞክራት ብህዝቢ ፍቱዋት ኮይኖም ይቕጽሉ ምህላዎም SEVO ዘሳለጦ ሓድሽ ዳህሳስ ኣመልኪቱ። ሰልፍታት ሊበራላውን ሓምላይን ካብቲ ዝወሓደ ኣሃዝ ንታሕቲ (ማለት 4%) ብምርካቦም ናብ ባይቶ ክኣትዉ እምበ ኣይምኻኣሉን ክብል ኣገልግሎት ዜና TT ሓቢሩ’ሎ። ሎሚ ምርጫ እንተዝግበር 30% ካብቶም ኣድመጽቲ ንሰልፊ ሶሻል ዲሞክራትና ክመርጹ ከም ዝፈትዉን በዚ ድማ ካብ ጽባሕ ምኽሳት ሕማም ኮሮና ጀሚሩ እዚ ሰልፊ ብህዝቢ እናተፈትወ ምምጽኡን ዘመልክት እዩ ኢሉ እቲ ዳህሳስ።

 “ብተቓወምቲ ሰልፍታት ክዘንቦ ዝቐነየ ነቐፌታታት ኣብ ግምት ዝኣቱ ጽልዋ ተፈታውነት ከም ዘየሕደረሉ ዘመልክት እዩ”” ክብል ሓላፊ ክፍሊ ርእይቶታት SEVO ቲቮ ሾሪን ይገልጽ።

ዓቃባዊ ሰልፊ ነታ ናይ 19.5% ደገፉ ምዕቃቡን ሰልፊ ስቬርያ ዲሞክርትና ድማ 18.9% ምርካቡን ተፈሊጡ ኣሎ። ” ኣብ እዋን ቅልውላው ለበዳ ቫይረስ ኮሮና፡ ዓቃባዊ ሰልፍ ስሙ ብምዕቃብ ኣብ ጽቡቕ ኩነታት ይርከብ ኣሎ” ክብክ ሾሪን ወሲኹ ይገልጽ።

እቲ ቀጽሪ መንግስቲ ዘቕውም እካብ ሰልፊታት ዛጊት 43.9% የቕውም ምህላዉ እቲ ኣቐዲሙ ዝነበረ ልፍንቲ ብወገኑ 36.7% ውጽኢት ዓቂቡ ምንባሩ ይዝከር።

ኣብዚ ዳህሳስ ድማ ብሓፈሻ 7578 ሰባት ምስታፎም ተሓቢሩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com