Friday , May 17 2024
Region Stockholm opens booking for a third dose of vaccine for all births in 1961 and earlier Foto Fredrik Sandberg / TT kod 10080

ሽማግለታት፡ ሳልሳይ እብረ ክታበት ድሕሪ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ክኽተቡ እዮም

ልዕሊ 65 ዓመት ዝዕድሚኦም ሽማግለታት፡ ሳልሳይ እብረ ክታበት፡ ድሕሪ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ናይታ ካልኣይቲ እብረ ክታበት ክወሃቦም ከምዝኽእል በዓል መዚ ኣገልግሎት ህዝባዊ ጥዕና ሽወደን ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ሃርሞኒ ሓቢሩ።

ኣቐድም ኣቢሉ እቲ በዓል መዚ፡ ኣብ መንጎ ካልኣይን ሳልሰይን እብረታት ክታበት፡ ናይ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ፍልልይ ክህሉ ከምዘለዎ ሓቢሩ ምንባሩ ይዝከር።

እዚ ተሓሲቡ ዘሎ ውጥን፡ ነቲ ኣብ ዝቕጽል ኣዋርሕ ክረአ ከምዝኽእል ዝግመት ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮቪድ-19፡ ከም ዝተመሓየሸ መከላኸሊ ኣገባብ ክኸውን ከምዝኽእል ተገሊጹ።

ኣብ መንጎ እዘን ክልተ እብረ ክታበታት ዘሎ ግዜ ከምዝሓጽር ምግባር፡ ዝለዓለ መጠን ህዝቢ ከም ዝኽተብ ምግባርን ኣብ ቅንያት በዓል ክሪስትማስ ድማ፡ ሰባት፡ ኣንጻር ኮቪድ-19፡ ዝሓሸ ናይ ምክልኻል ዓቕምን ተጻዋርነትን ሒዞም ከም ዝጸንሑ ክገብር እዩ ክብል፡ ኣንደሽ ተግነል፡ ኣብ ዘካየዶ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሩ።

ንኣባላት ጥዕናን ማሕበራዊ ኣድሕነትን ግን እቲ ናይ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ፍልልይ ዝብል ምኽሪ፡ ብዘይ ለውጢ፡ ከምዘለዎ ዝጸንሕ እዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com