Sunday , May 19 2024

ሽወደናዊት መንእሰይ፡ ስራሕ ኣብ ምርካብ ንዝሕግዛ ሰብ፡ 25 ሽሕ ክሮን ክትህብ ምዃና ትሕብር

ኣብ ከተማ ዮቶቦሪ እትነብር፡ ሲሪ ኮክ፡ ዝተባህለት ኣብ 20ታት እትርከብ መንእሰይ ተማሃሪት 3 ዓመት ዩኒቨርስቲ እያ። 100 ዝኸውን ናይ ስራሕ ጠለባት ኣቕሪባ፡ ስራሕ ክትረክብ ግን ኣይከኣለትን። ስራሕ ንምርካብ ዝገበረቶ ጻዕሪ ክሰልጣ ስለዘይከኣለ፡ ስራሕ ንኽትረክብ ንዝሕግዛ ሰብ እንተረኺባ፡ 25 ሽሕ ክሮን ክትህብ ምዃና፡ ኣብ መላእ ከተማ ዮቶቦሪ፡ ፖስተራት ብምልጣፍ ሓቢራ ኣላ ክብል ሬድዮ ሽወደን ኣቃሊሑ።

ስለምንታይ ክንዲዚ መጠን ወጻኢ ትገብር ከምዘላ ምስ ተሓተተት፡ ኮክ፡ ብዘይ ስራሕ ምጽናሕ ወጻኢታቱ ከቢድ እዩ፡ እዚ መጠን ገንዘብ ድማ ኣብ ዝተናውሐ እዋን ተመላስ ክኸውን እዩ ክትብል መሊሳ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com