Friday , May 17 2024

ሽወደናዊት ምምሕዳር፡ ንዝጓሓፉ ናይ ሽቓቕ ወረቓቕቲ፡ ደጊማ ንኸተመስርሕ (återvinna)፡ መጽናዕቲ ጀሚራ

ከም ካልኦት ኣህዛብ ዓለምና፡ ህዝቢ ሽወደን ውን ንዝተጠቀመሎም ናይ ሽቓቕ ወረቓቕቲ ናብ ሽቓቕ ምድርባይ ልምዲ ኣለዎ። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት፡ እቶም ናይ ማይ ረሳሕ መስመራት፡ ብናይ ሽቓቕ ወረቓቕቲ፡ ዝዕበሱን ዝጽለዉን ስለዘይኮኑ እዮም። ይኹን እምበር፡ እዞም ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ዝጓሓፋት፡ ኣካባብያዊ ብከላ ዝፈጥሩ ምዃኖም ዝሰሓት ኣይኮነን።

ነዚ ምርኩስ ብምግባር እያ እምበኣር፡ ምምሕዳር ከተማ ትራኖስ (Tranås)፡ ንዝጓሓፉ ናይ ሽቓቕ ወረቓቕቲ፡ ደጊማ ከተመስርሕ ዘኽእላ መጽናዕቲ ንኽትገብር እማመ ኣቕሪባ ዘላ። እዚ ማለት ድማ፡ ተቐማጦ ናይታ ምምሕዳር ከተማ፡ ዝጉሕፍዎ ናይ ሽቓቕ ወረቓቕቲ ኣብ ፍሉይ መትሓዚ ክእክብዎ ክግደዱ እዮም ማለት እዩ ክትብል ኤሌክትሮኒካዊ መርበብ Feber ሓቢራ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com