Saturday , May 18 2024

ሽወደናዊት ኩባንያ፡ ንሕማም ኮቪድ-19 ዝኸውን መድሃኒት ትፍትን።

ሽወደናዊት እንግሊዛዊት ኩባንያ Astra Zeneca ንሕሙማት ኮቪድ-19 ዝኸውን መድሃኒት ትፍትን ከምዘላ ተሓቢሩ። ንፍሉይ ዝኾን ዓይነት ሕማም መንሽሮ ደም ዝጥቀምሉ Calequence ዝበሃል መድሃኒት ኣብዚ ሕጂ ኣዋን ንሕሙማት ኮቪድ-19 ትፍትን ምህላዋ ሎሚ ሰሉስ ኣብ ዝተገብረ ጋዜጣዊ መግለጺ እታ ኩባንያ ትሕብር። ንሕማም ኮቪድ-19 ከም መድሃኒት ክኸውንን ንብዝሒ ግዳያት ቫይረስ ኮሮና ምንካይን እቲ ቀንዲ ዕላማ ናይዚ ፈተነ ምዃኑ እታ ኩባንያ ትሕብር።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com