Sunday , May 19 2024

ሽወደናዊት ግሬታ ተንበርግ ብባይቶ ኣከባቢ ኖርዲክ ዘቕረበላ ገንዘባዊ ሽልማት ነጺጋቶ።

ጓል 16 ሽወደናዊት ተጣባቒት ለውጢ ክለማ ሬታ ተንበርግ ካብ ኣከባቢ ኖርዲክ ን ኣበርክቶ ኣፍልጦ ንመሃብ ዝቐረበላ ናይ 40 ሽሕ ፓውንድ ወይ 500 ሽሕ ክሮነር ሽልማትን ገንዘብን ኣይቕበልን ኢላ።

“ፖለቲከኛታትን ኣብ ስልጣን ዘለው ሰባትን፡ ንሳይንስ” ቆላሕታ ክገብሩ ይግባእ ዝበለት፡ እታ ጓል 16 ዓመት ስዊድናዊት፡ እቲ ሽልማት “ዓብዪ ክብሪ’ዩ” ክትብል ድሕሪ ምግላጻ፡ ንባይቶ ኖርዲክ ዘለዋ ምስጋና ገሊጻ።

ንሳ፡ ነቲ ሽልማት ክትነጽጎ ዝደረኻ ምኽንያት ንምግላጽ ኣብ ኢንስታግራም ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ “ሃገራት ኖርዲክ፡ ብዛዕባ ክሌማን ከባብያዊ ኩነታትን ዝምልከት ዓብዪ ስም እዩ ዘለወን። ናይ ዘረባን ጥዑማት ቃላትን ጸገም የለን” ኢላ። እንተኾነ ኣጠቓቕማ ጸዓት ኖርወይ ግን ”ነቲ ካሊእ ታሪኽ” ይዛረብ እዩ ኢላ። ተንበርግ ኣብ ምክልኻል ለውጢ ክሌማ ንዝነበራ ኣበርክቶ፡ ስዊድንን ኖርወይን ንሽልማት ስለዝሓጸያኣ እያ ዓመታዊ ሽልማት ባይቶ ሓለዋ ከባቢ ኖርዲክ ክትረክብ ኪኢላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com