Saturday , May 18 2024

ሽወደናዊ ኢክያ ንጥፈታቱ ዳግማይ ይጅምር

ሽወደናዊ ኩባንያ መፍረ ናይ ገዛ ኣቕሑ “ኢክያ”፡ ብሰንኪ ቅልውላው ቫይረስ ኮሮና ተዓጽዮም ዝጸንሑ ኣብ መላእ ዓለም ተዘርጊሖም ዝርከቡ 442 ዝኾኑ ናይ መከፋፈሊ ዱኳናቱ ዘገም እናበለ ክኸፍቶም ምዃኑ ሓቢሩ። ኣብ መጀምርታ ኣስታት 350 ዱኳናት፡ ኣብ ዝቕጽል ሳምንታት ድማ እቶም ዝተረፉ ንምኽፋት መደብ ኣለዎ ክብል ዋሃብ ቃል’ቲ ኩባንያ ከምዝገለጸ TT ሓቢሩ።

ኩባንያ ኢክያ ኣብ ሃገረ ቺለ ክኸፍቶ መዲቡ ዝነበረ ሓድሽ ጨንፈር ብሰንኪ ቅልውላው ኮሮና ዘስዓቦ ምድንጓያት ክሳብ 2022 ከምዘሰጋገሮ ምምሕዳር’ቲ ኩባንያ ሓቢሩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com