Saturday , May 18 2024

“ሽወደናዊ ዜጋ ኣብ ኢራን ተኣሲሩ” ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ

ሓደ ሽወደናዊ ዜጋ ኣብ ኢራን ከም እተኣስረ ተሓቢሩ። ኣገልግሎት ፕረስ ሚኒስተሪ ጒዳያት ወጻኢ ሽወደን ንኤኤፍፒ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቲ ሰብኣይ ኣብ መጀመርታ ወርሒ ጥሪ ኣብ ኢራን ከም እተኣስረ ገሊጹ’ሎ። ሚኒስተሪ ጒዳያት ወጻኢ ሽወደን ኣብ ሽወደን ምስ ዝርከቡ ኣዝማዱ ከምኡ’ውን ኣብ ጤህራን ኣብ ዝርከብ ኤምባሲ ሽወደን ምስ ሰበስልጣን እታ ሃገር በዚ ጒዳይ ከም እተራኸበ ብኢመይል ሓቢሩ። እቲ ሰብኣይ ኣብ ማእከላይ ሽወደን ዝነብር ከምዝነበረ እንተኾነ ግና ቆንስላዊ ምዕቃብ ሚስጥር ከም ምኽንያት ብምጥቃስ ተወሳኺ ዝርዝር ሓበሬታ ክህብ ከምዘይክእል ወሲኹ ገሊጹ። ብመሰረት ፈነወ ቴሌቪዥን ፎር፡ እቲ ሰብኣይ ኣብ ሽወደን ምስ ዝሓለፈ ሓጋይ ብዝተፈጸመን ህይወት ዝቐዘፈን ተኹሲ ብዝተኣሳሰር ጥርጣረታት ከም እተኣስረ እዩ ተገሊጹ ዘሎ። ካብ ስቶክሆልም ንምዕራብ ኣስታት 100 ኪሎ ሜተር ርሒቓ እትርከብ ከተማ ቫስተሮስ እትርከብ ቤት ፍርዲ ኣውራጃ፡ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ታሕሳስ ነቲ ሰብኣይ ኣብ ዘይነበረሉ ክእሰር ከም ዝኣዘዘ ጋዜጣ ቪኤልቲ ጸብጺባ። ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ብኤኤፍፒ ኣብ ዝተራኸበሉ እዋን ብዛዕባ’ቲ ጸብጻባት ብቕጽበት ርእይቶ ክህብ ኣይደለየን። ብ19 ታሕሳስ፡ ቤት ፍርዲ ይግባይ ሽወደን፡ ነቲ በዓል መዚ ቤት ማእሰርቲ ኢራን ነበር ሓሚድ ኑሪ ናይ ዕድመ ልክዕ ማእሰርቲ ከም ዝፍረዶ ጌሩ እዩ። 62 ዕድሜኡ ኖውሪ፡ ኣብ 1988 ኣብ ኢራን ብተኻየደ ሸብሮ እሱራት ብውሑዱ 5000 እሱራት ንኽቕተሉ ብዝተጻወቶ ተራ ከቢድ ምጥሓስ ኣህጉራዊ ሰብኣዊ ሕግን ቅትለትን እዩ ተፈሪድዎ። ንጽባሒቱ፡ ኢራን ነቲ ፍርዲ ንምቅዋም ንቻርጅ ዲ ኣፈርስ ሽወደን ጸዊዓቶ። ኣቐዲሙ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ሽወደናዊ ዲፕሎማት ሕብረት ኤውሮጳ ዮሃን ፍሎደሩስ ምስ ቀንዲ ጸላኢት ኢራን ዝኾነት እስራኤል ውዲት ኣሊሙ ብዝብል ክሲ ኣብ ኢራን ናብ ፍርዲ ቀሪቡ እዩ። 33 ዝዕድሜኡ ፍሎደሩስ፡ ምስ ኣዕሩኽቱ ካብ ዝገበሮ መገሻ ናብ ኢራን ኣብ ዝምለሰሉ ዝነበረ እዋን፡ ብ17 ሚያዝያ 2022 ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ቴህራን ተታሒዙ። ኢራን ቅድሚ ሕጂ ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ ዜጋታታ ንምፍታሕ ኣብ ቀይዲ ዝኣተዉ ወጻእተኛታት ከም መላዘቢ ትጥቀመሉ ዝነበረት ኮይና፡ ጸብጻባት ማዕከናት ዜና ሽወደን’ውን ብዛዕባ ተኽእሎ ምልውዋጥ እሱራት ዘሎ ተኽእሎ ኣቕሪበን እየን። ኣብ ግንቦት 2023፡ ኢራናዊ-ሽወደናዊ ተቓዋሚ ሓቢብ ቻብ፡ “ዓዲ ብምብልሻው ተኸሲሱ ከም እተቐትለ ዝፍለጥ እዩ ። ኣሕመድሬዛ ጃላሊ ዝተባህለ ካልእ ኢራናዊ-ሽወደናዊ ኣብ 2016 ኣብ ኢራን ተታሒዙ ብናይ ስለያ ክሲ ንሞት ከም እተፈርዶን ክቕተል ይኽእል እዩ ዝብል ስግኣት ከም ዘሎን ማዕከን ዜና “ዘ ሎካል” ኣተሓሒዛ ዘኪራ’ላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com