Sunday , May 19 2024
Tomas Oneborg/SvD/TT

ሽወደናውያን ተመራመርቲ ተስፋ ዘለዎ ናይ ኮሮና መድሃኒት ኣብ ምምዕባል ይሳተፉ።

ኣብ ካናዳ ዝመደበሮም ተመራመርቲ ጸረ ኮሮና ቫይረስ ዝኾነ መድሃኒት ኣብ ምድላው ይርከቡ ኣለዉ። እዚ ምርምር ኣብ ዓመተ 2003 ኣብ እዋን ለበዳ ሳርስ ዝጀመረ ኮይኑ ምስ ምቁጽጻር ሕማም ሳርስ እቲ መጽናዕቲ ኣቋሪጹ ምጽንሑን ኣብዚ ሕጂ እዋን ድማ ጸረ ኮሮና መድሃኒት ኮይኑ ንኸገልግል ዝምዕብል ዘሎ እዩ። ኣብቲ እዋን’ቲ እቶም ካናዳውያን ተመራመርቲ ACE2 ዝስሙ ናይ ወዲ ሰብ ዓይነት ፕሮቲን ኣብ ላቦራቶሪ ብምድላዎም ነቲ ቫይረስ ዝስሕብን ነቶም ዋህዮታት ንኸይባዝሑ ዝገትእ ምዃኑ በጺሖሞ ነይሮም። ካናዳውያን ተመራመርቲ ግብራዊ ፈተነታት ኣብ ላቦራቶሪ ካሮለኒስካ ዩኒቨርስቲ ንኸካይዱ ንተሓጋጋዚ መምህር ስነ-ቫይረስ’ቲ ዩኒቨርስቲ ዓሊ ሚራዚሚ ንኽሕግዞም ተወኪሶሞ ኣለዉ።

ኣብ ላቦራቶሪ ካብ ዝተገብሩ ጸረ ኮሮና ፈተነታት ጹቡቕ ዝኾነ ውጽኢታት ተረኺብዎም ኣሎ። APN01 ዝዓይነቱ ፍርያት ኣብ ልዕሊ ኣብ ቅዳሕ ኣካላት ወዲ ሰብ ዝተዘርአ ቫይረስ ተፈቲኑ ጽቡቕ ውጽኢት ተረኺብዎ ኣሎ። እዚ ውጽኢት ኣብ ሰራውር ደምን ኩሊትን ተፈቲኑ። ከም ውጽኢቱ ድማ ምብዛሕ ናይ ቫይረስ ብ99.9% ከምዝገትእን ነቶም ተጎዲኦም ዝጸንሑ ኣካላት ኣብ ምጽጋን ዓቢ ተራ ከም ዝጻወትን ተፈሊጡ ኣሎ። ኣብ ዝቕጽል እዋን እቲ ፍርያት ኣብ ሳንቡእን መዓናጡን ክፍተን ምዃኑ ተሓቢሩ ኣሎ።

መቐጸልታ ናይዚ መርመራ ኣብ ልዕሊ 200 ኣብ ጀርመን፡ ደኒማርክን ኣውስትርያን ዝርከቡ ሰባት ክካየድ ምድላዋት ይግበር ኣሎ። ከምዚ ዓይነት መርመራ ኣብ ዝኾነ እዋን ክጅመር ይኽእል እዩ። ንሳልሳይ መድረኽ መጽናዕቲ ንኸነካይድ ዘኽእለና እኹል ሓበሬታ ንምእካብ ገለ ኣዋርሕ ዘድልየና’ኳ እንተኾነ ብዝዓበየ ዓቐን ኣብ ልዕሊ ኣብ ሆስፒታላት ዝርከቡ ሕሙማት ኮሮና ንኽፍተን ፍቓድ ክወሃብ ተስፋ ንገብር ክብል ሚራዝሚ ዘረብኡ ደምዲሙ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com