Sunday , May 19 2024
Credit Pixabay

ሽወደናውያን ንዩክሬን ዝገብርዎ ወፈያታት ኣዝዩ የንቁልቊል

ሽወደናውያን ግዳያት ኲናት ዩክሬን ንምሕጋዝ ዘለዎም ድልውነት ኣብ ምጅማር’ዚ ዓመት ኣዝዩ ርኡይ ምንቊልቋል ከም ዘርኣየ
ሬድዮ ሽወደን ፒ 4 ቫርምላንድ ሓቢራ። ኣብ ሽወደን ዝርከብ ትካል ግብረ ሰናይ ዩኒሴፍ፡ ካብቲ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ተመሳሳሊ እዋን
ክነጻጸር እንከሎ፡ ክሳብ ሚያዝያ ናይዚ ዓመት ካብ ዝእከብ ዝነበረ ወፈያታት ትሕቲ ዓሰርተ ሚእታዊት ጥራይ ከም ዝኣከበ
ሓላፊት ምእካብ ረድኤት የሲካ ዚመርማን ትገልጽ። ኣብ ዩክሬይን ዝካየድ ዘሎ ኲናት ፈለማ ዘስዓቦ ስንባደን ድንጋጸን ዝሒሉ፥
ሕጂ ከም ንቡር ዝውሰደሉ ግዜ ስለ ዘመጸ ብሓደ ወገን፥ መዓልታዊ ሓደስቲ ዛዕባታት ይቕልቀሉ ብምህላዎም ኸኣ ብኻልእ ወገን
ነዚ ክስተት ኣበርክቶ ጌሮም ክኾኑ ከም ዝኽእሉ ዚመርማን ወሲኻ ገሊጻ። ብዘይካዚ ብምኽንያት ዝቕባበ ናብራ ዜጋታት ኣዝዩ
ተጸልዩ ምህላዉ ካልእ ዝዓበየ ምኽንያት እዚ ምንቊልቋል ምዃኑ ይፍለጥ።
"ንዝቕጽል መገሻ ክመልእ ዝኽእል ኣቑሑት ይኹን ገንዘብ ኣይረኸብኩን፡ እንተኾነ ግና ተስፋ ዘይቆርጽ ሰብ እየ፡ ብገለ መንገዲ
ድማ ክፈትሖ እየ" ይብል ወለንታኛ ሰራሕተኛ ረድኤት ያን ቢዮርን ካብ ቶርስቢ፡፡

 

Credit Pixabay

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com