Monday , May 20 2024
Credit: DRAGO PRVULOVIC / TT

ሽወደናውያን ካብ ወጻኢ ዝመጸ ስጋን ውጽኢት ጸባን ብብዝሒ ይሽምቱ።

ኲናት፡ ዝቕባበን ክብሪ ዋጋ መግቢን ን ሸመታ መግቢ ሽወደናውያን ይጸልዎ ምህላዉ ተገሊጹ። እዚ ጽልዋ ብፍላይ ኣብ ስጋ ርኡይ
እናኾነ ይመጽእ ኣሎ። ሽወደናውያን ገንዘብ ይሓጽሮም ብምህላዉ፥ ኣብ ክንዲ ስጋ ውሽጢ ሃገር ካብ ወጻኢ ዝመጸ ስጋን ውጽኢት
ጸባን ብብዝሒ ይሽምቱ ምህላዎም “ቦርድ ሕርሻ ሽወደን” ዘውጽኦ ጸብጻብ ኣመልኪቱ። ኣብ ብዩርበክ ደቡባዊ ሽወደን ሓረስታይ
ስጋን ውጽኢት ጸባን ዝኾነት ኮሪ ናምቢን፥ እዚ ምዕባለ ንመጻኢ ዕድል ፍርያት ሽወደን ኣመልኪቱ ሻቕላ ከም ዝፈጠረላ ትገልጽ።
“እዚ ኣሻቓሊን ዘሕዝንን እዩ” ክትብል ንሬድዮ ሽወደን ገሊጻ’ላ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት፥ ሸመታ ስጋ ሽወደን እናዓበየ እዩ ክመጽእ ጸኒሑ። እንተኾነ ግና እዚ ይቕየር እዩ ዘሎ።
"ኣየነይቲ እያ ዝወሓደ ዋግኣ ኢሎም ኣብ ዝሓስቡሉ ዘለዉ ኣብዚ ሕጂ እዋን፥ ካብ ወጻኢ ዝኣተወ መግቢ ብብዝሒ ይሽመት
ኣሎ” ክትብል ኣሳ ላንሃርት-ኦበርግ ካብ “ቦርድ ሕርሻ ሽወደን’ ኣመልኪታ። እንተኾነ ግና፥ ምስ ምምሕያሽ ኲነታት ቊጠባ እዚ
ተርእዮ ክቕየር እዩ ዝብል እምነት ከም ዘለዋ፥ ኦበርግ ወሲኻ ገሊጻ’ላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com