Monday , May 20 2024
(Johanna Geron, Pool via AP)

ሽወደንን ፊንላንድን ን ኣባልነት ኔቶ ሕቶአን ኣእትየን።

ትማሊ ረቡዕ፡ ሰዓት 8 ናይ ንግሆ፡ ኣምባሳደራት ሽወደንን ፊንላንድን ናብ ኔቶ ናይ ኣባልነት መመልከቲኦም ኣእትዮ ኣለዉ። ሽወደን፡ ናብዚ ወተሃደራዊ ጥምረት ብምምልካት፡ ነቲ ንዓሰርተታት ዓመታት ሒዛቶ ዝነበረት ናይ ዘይሻራነት ፖለቲካ ትገድፍ ብምህላዋ፡ እዚ ውሳነ ታሪኻዊ እዩ ተባሂልሉ’ሎ።

ዋና ጸሓፊ ኔቶ ሃንስ ስቶለተንበሪ፡ ኣብ ብራስለስ ኣብ ዝተኸየደ ጽንብል፡ “ንፊንላንድን ሽወደንን እንቋዕ ብደሓን መጻእክን ክብለን እደሊ” ኢሉ’ሎ። ምስዚ ብዝተሓሓዝ፡ ኣምባሳደራት ሽወደንን ፊንላንድን፡ ሎሚ ናይ ኔቶ ኣባልነት ንምእታው ነቲ ኣብ ከተማ ብራስለስ ዝርከብ ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ኔቶ ምብጽሖም ተገሊጹ። ኣብ ብራስለስ ወኪል ሬድዮ ሽወደን ኣንድርያስ ሊልየህደን፡ መስርሕ ኣባልነት ኔቶ ብኸመይ ከም ዝዓዪ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ “ቀጺሉ ዝስዕብ፡ ብዋና ወሃብ ውሳነ እቲ ውድብ ማለት ቆንስል ሰሜን ኣትላንቲክ ፍቓድ ምርካብ ጥራይ እዩ” ኢሉ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com