Sunday , May 19 2024
Foto Anders Wiklund / TT kod 10040

ሽወደንን ፖላንድን ኣህጒራዊ ኮንፈረንስ ሓገዝ ን ዩክሬይን ከእንግዳ እየን።

ጽባሕ ሓሙስ፡ ሽወደንን ፖላንድን፡ ኣህጒራዊ ኮንፈረንስ ሓገዝ ን ዩክሬይን ኣብ ዋርሶው ከእንግዳ እየን ተባሂሉ። ዕላማ ናይዚ ኮንፈረንስ፡ ሃገራት ነቲ ብሰንኪ ወራር ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬይን ተፈጢሩ ዘሎ ህጹጽ ሰብኣዊ ቅልውላው፡ ገንዘባዊ ሓገዝ ከወፍያ፡ ከምኡ’ውን ን ናይ ነዊሕ እዋን ጠለባት እታ ሃገር ዝከኣለን ሓገዝ ከወፍያ ንምግባር እዩ–ብመሰረት ጸብጻብ ሬድዮ ሽወደን። ቅድሚ እዚ ወራር፡ ሽወደንን ፖላንድን ኣብ ፖለቲካዊ ጒዳያት ክንድቲ ምስምማዕ ዘይነበረን ሃገራት እኳ እንተነበራ፡ ሕጂ ግና፡ ኣብ ጒዳይ ዩክሬይን ስጡም ናይ ሓባር ተወፋይነት የርእያ ምህላወን ተገሊጹ። እዘን ሃገራት፡ ካብዚ ናይ ሓባር ስራሕ ብዙሕ ክረብሓ ከም ዝኽእላ፡ ሚኒስተር ኣህጒራዊ ልምዓትን ምትሕግጋዝን ሽወደን ማቲልዳ ኤርንክራን፡ ን ሬድዮ ሽወደን ሓቢራ’ላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com