Sunday , May 19 2024

ሽወደን፡ ልዑል ዝኾነ መጠን ሙቐት ይጽበያ

ኣብ ዝቕጽል ውሑዳት መዓልታት መጠን ሙቐት ኣብ ሽወደን ክሳብ 300c ክበጽሕ ከምዝኽእል መደበር ኩነታት ኣየር ሽወደን (SMHI) ትምቢታቱ ገሊጹ። መጠን ሙቐት ክውስኽ እንከሎ ኣብ ጫካታት ከጋጥሙ ዝኽእሉ ናይ ባርዕ ሓደጋታት ክውስኹን ኣረጋውያን ድማ ናይ ጥዕና ጸገማት ከጋጥሞም ከምዝኽእልን እዩ ዝሕበር።

ኣብቲ ብነጎዳታት ዝተሰነየ ዝናብ ክዘንቦ ዝቐነየ ደቡባዊ ክፋል ሽወደን ካብ ጽባሕ ሰሉስ ጀሚሩ መጠን ሙቐት ቀስ እናበለ ክውስኽ ከምዝኽእልን ኣብ ማእከላይን ሰሜን ሽወደን ግን መጠን ሙቐት ክውስኽ ካብ ዝጅምር መዓልታት ኣቑጺሩ ይርከብ።

ኣብ መብዛሕትኡ ከባቢታት ሽወደን፡ መጠን ሙቐት ክሳብ 260 c በጺሑ ኣሎ። ኣብ ዝቕጽል እዋብ ንሰለስተ ተኸታተልቲ መዓልታት 300c እንተድኣ በጺሑ፡ ቤት ጽሕፈትና መጠንቀቕታ ከመሓላልፍ እዩ ክትብል ኣብቲ መደበር፡ ክኢላ ኩነታት ኣየር ዝኾነት ጆኒላ ክራፍስትሮም ገሊጻ።

መጠን ሙቐት ምስ ዝውስኽ፡ ኣብ ልዕሊ ኣርጋውያንን ንሓደጋ ቅሉዓት ዝኾኑ ሰባት ጸቕጢ ከስዕበሎም ከምዝኽእል ብተወሳኺ ገሊጻ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com