Friday , May 17 2024

ሽወደን፡ ንሓደ ሩስያዊ ዲፕሎማሰኛ ሰጒጓ

ኣብ ሩስያ ድሕሪ ዝተኻየደ ሰላማዊ ሰልፊ ተኸቲሉ፡ ሩስያ ንሓደ ሽወደናዊ ዲፕሎማሰኛ ድሕሪ ምብራራ፡ ሽወደን፡ ብተመሳሳሊ መንገዲ ንሓደ ሩስያዊ ዲፕሎማሰኛ ምስጓጓ ተገሊጹ። ሽወደን፡ ንሓደ ኣብ ኤምባሲ ሩስያ ዝሰርሕ ዲፕሎማሰኛ ካብ ሃገራ ክወጽእ  ከምዝሓበረት ኣምባሳደር ሩስያ ነጊሩና። ሩስያ፡ ንሓደ ስርሑ ጥራይ ኣብ ምዕማም ዝርከብ ንዝነበረ ዲፕሎማሰኛ ድሕሪ ምብራሮም ዝሃብናዮም ንጹር መልሲ እዩ ክትብል ሽወደን ሓቢራ።

ጀርመንን ፖላንድን ብወገነን፡ ካብ ሩስያ ንዘጋጠመን ተመሳሳሊ ተግባር መልሲ ንምሃብ፡ ንዲፕሎማሰኛታት ሩስያ ካብ ሃገረን ከባርራ ምውሳነን ተገሊጹ።

ሩስያውያን ሰብ መዚ፡ ንሓደ ሽወደናዊ ዲፕሎማሰኛ፡ ኣብ ውሽጢ ሰሙን ካብ ዓዶም  ክወጽእ ምሕባሮም፡ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሽወደን ብዓርቢ ኣረጋጊጹ ነይሩ። ኣውሮጳዊ ሕብረት ብወገኑ፡ ነቲ ብሩስያ ዝተወስደ ፍጻሜ፡ ከምዝኾነኖ ይፍለጥ።

ብመሰረት መንግስቲ ሩስያ፡ ሓደ ሽወደናዊ፡  ሓደ ፖላንዳውን ሓደ ጀርመናውን ዲፕሎማሰኛታት፡ ኣብቲ ንኣሌክሲ ናቫልኒ ንምድጋፍ ዝተገብረ ሰልፊ ተሳቲፎም ዝብል ክሲ ከምዘቕረበ ይፍለጥ። ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሽወደን፡ ነዚ ክሲ ድሕሪ ምንጻግ፡ እቲ ዲፕሎማሰኛ፡ ነቲ ዝካየድ ዝነበረ ናይ ተቛውሞ ሰልፊ ከም ተዓዛቢ ኣብኡ ከምተረኽበ፡ እቲ ዝገበሮ ድማ፡ ንቡር ዲፕሎማስያዊ ስራሕ እዩ ኢላ። “እዚ ብሩስያ ዝተፈጸመ ተግባር ብፍጹም  ቅቡል ከምዘይኮነ ክትብል፡ ሚኒስተር ሊንደ፡ ንተሌቪዥን ሽወደን ኣብ ዝሃበቶ ቃል ኣረጋጊጻ።

ነቲ ሰሙን ጥራይ ክጸንሕ እተዋህቦ ዲፕሎማሰኛ ኣዘራሪበዮ ነይረ፡ ንሱ፡ ነቲ ዝግበር ዝነበረ ሰላማዊ ሰልፊ ከም ተዓዛቢ ኮይኑ ኣብኡ ከምዝተረኽበ ሓቢሩኒ። እዚ ድማ ቅቡል ተግባር እዩ” ክትብል ድማ ወሲኻ ኣረዲኣ።

ሊንዳ ዝሓለፈ ሰሙን ንሞስኮ ኣብ ዝገበረቶ ምብጻሕ፡ ሩስያ፡ ንናቫልኒ ክትፈትሕን ኣብ እዋን ዝሓለፈ ሰሙን ዝተኻየደ ሰላማዊ ሰልፊ ዝተወስዱ ስጉምታት ከም ዘሻቐላን ገሊጻ ምንባራ ይዝከር። ንሳ ሃገራን ኣውሮጳዊ ሕብረትን በቲ ኣብ ሩስያ ዘጋጠመ ምንቊልቋል ሰብኣዊ መሰላት ከም እትሻቐል ውን ብተወሳኺ ገሊጻ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com