Friday , May 17 2024

ሽወደን፡ ኣብ መበል 10ይ ደረጃ ትስራዕ

ካብ ኣባላት ውድብ ቁጠባዊ ምዕባለን ምትሕግጋዝን (OECD) ዝኾና 38 ሃገራት፡ ብኣታሓሕዛ ጥዕናን ኩነታትን ህጻናት፡ ሽወደን፡ ኣብ መበል 10ይ ደረጃ፡ ተሰሪዓ ከምትርከብ ካብ ዩኒሴፍ (UNICEF) ዝወጸ ሓድሽ ጸብጻብ ሓቢሩ። ሃገረ ሆላንድ ንዴኒማርክን ኖርወይን ቀዲማ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ክትስራዕ እንከላ ፊንላንድ ድማ ኣብ መበል 5ይ ደረጃ ተሰሪዓ ኣላ።

ኣብ ሽወደን፡ እኹል ዝኾነ ኢኮኖምያዊ፡ ማሕበራውን ከባብያውን ትሕተ ቅርጺ እናሃለወና ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ዘይንስረዓሉ ኣብነት የብልናን ክትብል ዋና ጸሓፊት ዮኒሴፍ ኣብ ሽወደን፡ ፓርኒላ ባራልት፡ ንሬድዮ ኢኮት ሓቢራ።

ቤት ጽሕፈት ዋኒን UN፡ ናይ ህጻናት ዓቕሚ ፍልጠት፡ ሞያ፡ ስነ ኣእሙራውን ኣካላውን ጥዕናን ኣብ ግምት ዘእተወ መምዘኒታት ተጠቂሙ ነዚ ደረጃታት ምስርዑ ይፍለጥ።

ኣብ ጉዳይ ስነ ኣእሙራዊ ኩነት ህጻናት፡ ሽወደን፡ ኣብ መበል 22 ደረጃ ተሰሪዓ ምህላዋ ጸብጻባት ሓቢሮም። እቲ መምዘኒ ኣብ መጠን ብዝሒ ነፍሰ ቅትለትን ብዳህሳስ ፒዛ ዝፍለጥ መጽናዕትን ዝሙርከስ እዩ። ዳህሳስ ፒዛ፡ ህጻናት ክሳብ ክንደይ ሑጉሳት ምዃኖም ዝምልስሉ ባይታ እዩ።

ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ዝነብሩ ህጻነት፡ ንስነ ኣእሙራዊ ኩነታቶም ብሓደ መለክዒ ክትመዝን ኣይከኣልን እዩ ክብል ዮኒሴፍ ገሊጹ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com