Friday , May 17 2024

ሽወደን፡ ካብ ምፍልላይ ውሕስቲ ኣይኮነትን

ቀዳማይ ሚኒስተር ሽወደን፡ ስቴፋን ሎቬን፡ ንፈለማ ግዜ ኣብዚ ዓመት፡ ሎሚ ምስ ሓላፍቲ ሰልፍታት ኣብ ዝጀመሮ ናይ ክትዕ ዘተ፡ ሽወደን፡ ካብቲ ንኣሜሪካ ዘጋጠማ ናይ ምፍልላይ ናዕቢ ነጻ ኣይኮነተን ክብል ከምዝሓበረ፡ ሓድነትና ክዝርጉ ዝንቀሳቐሱ ወገናት ከምዘለው ክንስሕት የብልናን ድማ ኢሉ።

መንደቕ ህንጻ ኮንግረስ ኣሜሪካ ጥሒሶም ዝኣተዉ ሰባት፡ ነቲ ብዲሞክራስያዊ ኣገባብ ዝተረኽበ ውጽኢት ምርጫ ብዘይ ምቕባሎም ከምዝፈጸምዎን ሃገርና ውን ካብ ከምዚ ዓይነት ፍጻሜ ውሕስቲ ከምዘይኮነት ክብል ኣዘኻኺሩ።

ሎቬን፡ ነቲ ብዛዕባ ውጽኢት ምርጫ ኣመልኪቱ ናይ ሓሶት ሓበሬታታት ከመሓላልፍ ዝቐነየ፡ ዶናልድ ትራምፕ፡ ብትሪ ድሕሪ ምንቃፉ፡ እዚ ዘጋጠመ ፍጻሜ፡ ኣብ ታሪኽ ኣሜሪካ፡ ጸሊም ነጥቢ ኮይኑ ከምዘሎን፡ ሃገራት ኤውሮፓ ድማ ካብዚ ክመሃራ ከምዝግባእ ጸዊዑ።

ገለ ወገናት፡ ነቲ ክፉት ኣተሓሳስባ ዘለዎ ሕብረተሰብና ናብ ጸቢብ ኣተሓሳስባ ቀይሮም፡ ኣብ መንጎና ፍልልይ ክፈጥሩ ይጽዕሩ ኣለዉ። ግጉይ ከም ቅኑዕ ሓበሬታታት ተመሲሎም ኣብ ዝቐርብሉ እዋናት፡ ነፍሲ ወከፍና፡ ንትካላዊ ኣሰራርሓ ሃገርና ንምክልኻል ሓላፍነት እዩ ክብል፡ ሎቪን፡ ከምዝሓበረ ተተ (TT) ኣቃሊሑ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com