Friday , May 17 2024
Credit: Efrem Lukatsky/AP, Hasse Holmberg

ሽወደን፥ ድሕሪ ቸርኖቢል ክሳብ ሕጂ ጽልዋ ራድዮኣክቲቭ ምህላዉ ተገሊጹ

ኣብ 1986 ኣብ ቸርኖቢል ዘጋጠመ ኒዩክለራዊ ሓደጋ፡ ኣብ ገለ ክፋል ማእከላይን ሰሜናውን ሽወደን ራድዮኣክቲቭ ዝናብ ክሃርም ጌሩ እዩ። እዚ ድማ ኣብቲ ሓመድ ራድዮኣክቲቭ ባእታ ሴዝየም-137 ንኽእከብ ምኽንያት ምዃኑ፣ እዚ ድማ ነቲ ሓሰማ በረኻ ዝበልዕዎ ዕፉን ምብካሉ እዩ ዝንገር። ኤጀንሲ መግቢ ሽወደን፡ ሃደንቲን ከምኡ’ውን ዕፉን ዝምእርሩን ሰባት ናሙናታት መርመራ ክሰዱ ሓቲቱ’ሎ። እዚ መርመራ ደረጃ ሴዝየም-137 ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ብኸመይ ከም ዝፈላለ ንምርኣይ ክሕግዝ እዩ ተባሂሉ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com