Saturday , May 18 2024

ሽወደን ተወለድቲ ወጻኢ ዘየጠቓልል ገምጋም ትምህርቲ ብምክያዳ ኣብ ጥርጠራ ትኣቱ።

ሽወደን ተወለድቲ ወጻኢ ዘየጠቓልል ገምጋም ትምህርቲ ብምክያዳ እቲ ውጽኢት መጽናዕቲ ኣብ ጠርጠራ ምእታዉ ተገሊጹ። ዳህሳስ PESA ከም ዘመልክቶ ተመሃሮ ሽወደን ብማእከላይ ገምጋም ካብ መላእ ተመሃሮ OECD ዝሓሸ ነጥቢ ምምዝጋቦም ምግላጹን ሚኒስትሪ ትምህርቲ ኣብያተ ትምህርትና ንኡዳት ምዃነን ዘበስር ውጽኢት ረኺባና ምባሉን ዝዝከር እኳ እንተኾነ ጋዜጣ ኤክስፕረሽን ኣብ ዘውጽኣቶ ጸብጻብ ብርክት ዝበሉ ተመሃሮ ተወለድቲ ወጻኢ ኣብዚ ጸብጻብ ክጠቓለሉ ከም ዘይተገብረ ኣቃሊዓ’ላ።

እዚ ምደባ ደረጃ ኣብ ሰሰለስተ ዓመት ዝግበር ኮይኑ ኣቃውማ ትሕዝቶ ትምህርቲ ሃገራት ዝመዝን ኣገባብ እዩ። ዝሓለፈ ታሕሳስ ኣብ ዝተገብረ ምምዛን ተመሃሮ ሽወደን ኣብ ዓውዲታት ቚጽሪ፥ ሳየንስን ኣንቢብካ ናይ ምርዳእ ዓቕምን ጽቡቕ ውጽኢት ምምዝጋቦም ዝፈለጥ እዩ። ኣብዚ ዳህሳስ ካብ 207 ኣብያተ ትምህርቲ መባእታን 16 ላዕለዋይ ደረጃን እተዋጽኡ 5500 ተመሃሮ ተሳቲፎም እዮም።

እዚ ውጽኢት መጻእቲ ተመሃሮ ኣብ ዝወሰኽሉን ሕጽረት መመሃራን ኣብ ዝለዓለ ደረጃኡ ኣብ ዘለወሉን ግዜ ምዃኑ ነቲ ዓወት ኣንጸባራቒ ጌርዎ’!ሎ ክትብል ሚኒስተር ትምህርቲ እኳ እንተገለጸት እታ ጋዜጣ ግና ኣብ ወጻኢ እተወልዱ ሰባት ኣብዚ ዳህሳስ ክኣትዉ ብዘይምግባሩ ኣብ ኣገባብ ርኡይ ጌጋ ኔሩ እዩ ክትብል ኣቃሊዓ’ላ። እዛ ጋዜጣ ምስ ማግኑስ ኈንሪክሰን ብምትሕብባር ካብ በዓልመዚ ትምህርቲ፥ ኢሚግሬሽንን ካልእን ዝረኸበቶ ስታቲስቲክስ ድሕሪ ምትንታን ኣብ ወጻኢ ኣተወልዱ ሰባት ኣብዚ መርመራ እንተዝሳተፉ እቲ ውጽኢት ዝሓመቐ ምኾነ ክትብል ኣስሚራትሉ’ላ። እዚ ውጽኢት ድሕሪ ምውጽኡ እቲ በዓልመዚ ኣብ መርበብ ሓበሬታኡ ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ ኣብዚ ሳምፕል ዝተሳተፉ ተመሃሮ ተወለድቲ ወጻኢ ኣዝዮም ሒደት ምዃኖም ተኣሚኑ ኣሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com