Sunday , May 19 2024
nguy-n-hi-p-2rNHliX6XHk-unsplash.jpg

ሽወደን ናብ ዩክሬይን ናይ ደም ከረጺት ከም ዘይትልእኽ ገሊጻ።

ዩክሬይን ኣውሮጳዊ ሕብረት ባዶ ናይ ደም ከረጺት ክልእከላ ሓቲታትሉ ኣብ ዘላ እዋን ሽወደን እኹል ቀረብ ስለዘይብላ ናብ ዩክሬይን ከረጺት ደም ከም ዘይትልእኽ ገሊጻ’ላ።

“እዚ ምዃኑ ዘሕዝን እዩ። ኣየርላንድ ንባዕላ 4000 ናይ ደም ከረጺት ልኢኻ’ላ” ክትብል ኣብ ሆስፒታል ዩኒቨሪሲቲ ካሮሊንስካ ነባር ኣማኻሪት ምስግጋር መድሃኒት ኣግኔታ ዊክማን ቅሬታኣ ገሊጻ’ላ። "እዚ ሰኣን መኻዚኖታትና ምምላእና እዩ ተኸሲቱ” ክብል ኣብ ሃገራዊ ቦርድ ጥዕናን ድሕነትን ግዜያዊ ዳይረክተር ምምሕዳር ቅልውላው ታሃ ኣሌክሳንድሮሶን ገሊጹ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com