Sunday , May 19 2024
Foto: Fredrik Sandberg / TT kod

ሽወደን ንተመዛበልቲ ዩክሬይን ዝኸውን 20,000 ቴንዳታት ከተዳሉ እያ።

ብመሰረት ኣውሮጳዊ ሕብረት ዝሃቦ ተልእኾ ሽወደንን ኤጀንሲ ሲቪላዊ ኣሸበሸብን ኣብ ዩክሬይንን ከባቢኡን ንዘለዉ ተፈናቐልቲ ዝኸውን ቴንዳታት የዳልዉ ኣለዉ። ብመሰረት ዝወጸ ውጥን እዚ ንምውዳእ ጻዕሪ ይግበር ኣሎ ዝበለ ጸብጻብ ሬድዮ ሽወደን፡ እዚ ተልእኾ ካብ ዝፈጸሞም ዝዓበዩ ስራሓት ምዃኖም ኣመልኪቱ። ኲሉ ዘድሊ ግብኣታት ኣብ ውሽጢ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ክሽመት ከምኡውን እዚ ናይ ህጹጽ እዋን መዕቆቢ ኣብ መኻዚኖ ክሪስተነሃምን ክቕመጥ ተጌሩ’ሎ። ብመሰረት እዚ ውጥን ናይ ፈለማ ቴንዳታት ኣብ ውሽጢ ሒደት ሳምንታት ክትከሉ ምዃኖም ኣባል ኤጀንሲ ዝባዊ ኣሸበሸብ ሮበርት ዋለን ሓቢሩ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com