Saturday , May 18 2024
(AP Photo/Ariel Schalit) ASC107

ሽወደን ኣብ ዓለም . . . 1ይ ክፋል . . . ሽወደንን ኤውሮጳዊ ሕብረትን

ሽወደን፡ ኣባል ኤውሮጳዊ ሕብረት ካብ ትኸውን፡ ምስ ዓለምለኻውን ምስ ኤውሮጳዊ ሕብረት ዝተሓሓዙ ስራሓት እንዳበዝሑ እዮም መጽዮም። ኩለን ኣብያተ ጽሕፈት ሚኒስትሪታት ሽወደን፡ ምስ ኤውሮጳዊ ሕብረት ዝተሓሓዙ ስራሓት ይዓያ፣ ናይ ሽወደን መገጺታት የዳልዋ፡ ከምኡ ድማ፡ ኣብቲ ቤት ፍርዲ ኣውሮጳ ሕብረት ዝላዓሉ ጉዳያት ይከታተላ።
ኣብ ዓመተ 1994 ድሕሪ ዝተኻየደ ረፈረንደም፡ ሽወደን፡ ካብ ዕለት 1 ጥሪ 1995 ጀሚራ፡ ኣባል ኤውሮጳዊ ሕብረት ክትከውን በቒዓ። ኣባል ኮይና ማለት ድማ፡ ሸወደን፡ ኣብ ናይ ኤውሮጳዊ ሕብረት ስራሓት ተሳታፊትን ኣብ ዝውሰዱ ውሳኔታት፡ ጽልዋ ከተሕድር ተኽእል ማለት እዩ።
 ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ሽወደን፡ ኣባል ናይቲ ብቁጠባዊን ገንዘባዊን ሕብረት (Economic and Monetary Union – EMU) ተባሂሉ ዝጽዋዕ ሕብረት፡ ኣይኮነትን። እዚ ማለት፡ እቶም ኣብዚ ሕብረት ተሓቚፎም ዘለው ኣባላት ሃገራት፡ ናይ ሓባር ባጤራኦም፡ ኤውሮ፡ ዝኾነ ማለት እዩ።
ኣብ ወርሒ መስከረም 2003፡ ሽወደን፡ ኣባል ናይዚ ሕብረት ንምዃን ዘኽእል ረፈንደም ኣካይዳ እኳ እንተነበረት፡ ኣብቲ እዋን ብዝተረኽበ ናይ 55.9%  ኣይፋል ዝብል ድምጺ፡ ኣባል ክትከውን ከምዘይከኣለት ይዝከር።
ኣስታት 1200 ዝኾኑ ሽወደናውያን ኣብ ኤውሮጳዊ ሕብረት ከም ዝሰርሑ ይፍለጥ። ገሊኦም ንሽወደንን ረብሓታት ሽወደንን ዝውክሉን ዝከታተሉን ክኾኑ እንከለዉ፡ ገሊኦም ድማ፡ ንከም ኣውሮጳዊ ኮሚሽን (European Commission) ዝኣመሰሉ ትካላት ዘመሓድር ኣካል ኤውሮጳዊ ሕብረት ዝሰርሑ እዮም።

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com