Monday , May 20 2024

ሽወደን ክሳብ ቀጻሊ ሓበሬታ ዝወሃብ ሓይልታታ ኣብ ዒራቕ ክጸንሑ ምዃኖም ትገልጽ።

ሰብዓ ዝኣባላቱ ተልእኾ ሓይልታት ሽወደን ዒራቕ ክሳብ ክወጹ ምዃኖም ዝንገሮም ኣብኡ ክጸንሑ ምዃኖም ሚኒስተር ምክልኻል ሽወደን ሎሚ ሰኑይ ሓቢሩ። ቀዳማይ ሚኒስተር ሽወደን ብወገኑ ኣብ ፌይስቡክ ኣብ ዘስፈሮ መልእኽቲ ኣብ ዒራቕ ንዘሎ ምዕባለታት ይከታተሎ ምህላዉ ሓቢሩ’ሎ። “ምስ ዒራቕ ወግዓዊ ርክባት ክሳብ እንጅምር ክንጽበ ኢና፡ ባይቶ ዒራቕ እንታይ ከም ዝውስን ክንሰምዕ ድሌት ኣሎና” ኢሉ’ሎ። ባይቶ ዒራቕ ብሰንበት ኣብ ዘሕለፎ ውሳነ ኣብ ባቕዳድ ዘሎ በዓል ሓደራ መንግስቲ ብኣመሪካ ዝምራሕ ሓይልታት ወጻኢ ካብ ሃገሩ ጠቕሊሉ ክወጽእ ምእዋጁ ይዝከር። ድሕሪዚ ሽወደን ንወተሃደራታ እትህቦ ዝነብረት ስልጠና ደው ምባላ ድማ ተመልኪቱ።

እዚ ውሳነ ባይቶ ዒራቕ ኢራናዊ ወተሃደራዊ በዓልመዚ ብሰብኣልቦ ነፈርቲ ኣመሪካ ድሕሪ ምቕታሉ እዩ ተባሂሉ’ሎ። ኣብ ዒራቕ 70 ወተሃደራት ሽወደን ምህላዎም ዝፍለጥ እዩ። ሚኒስተር ጒዳያት ወጻኢ ሽወደን ኣን ሊንዲ ኣብ ዒራቕ ዘሎ ምዕባለታት ከም ዘሻቐላ ገሊጻ’ላ። “እዚ ናህሪ ምዕባለታት ዘሻቕል እዩ። ዝምልከቶም ኣካላት ብዓቢ ዕጉብነትን ነፍሰ ግትኣትን ክንቀሳቐሱ ንልቦ ኣሎና” ድማ ኢላ። ኣብ ዒራቕ ዝርከቡ ሽወደናውያን ክጥንቀቑ ድማ መልእኽቲ ኣመሓላሊፋ’ላ።

“እዚ ኲነታት ተኣፋፊን ክትግምቶ ዘጸግምን እይይ። ሽወደናውያን ናብ ዒራቕ ካብ ምጒዓዝ ክጥንቀቑ ይግባእ” ድሕሪ ምባል መንግስታ ምስ ኣውሮጳዊ ሕብረትን መሻርኽቱን ብምዃን ነቲ ኲነታት ናብ ዝኸፍአ ምዕራግ ከይከይድ ክትሰርሕ ምዃና ቃል ኣትያ’ላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com