Monday , May 20 2024
Foto: Tomas Oneborg / SvD / SCANPIX /

ሽወደን ዓቕሚ ጸዓት ኑክሌር ከተስፍሕ ይግባኣ ተባሂሉ።

ኣርባዕተ የማናውያን ተቓወምቲ ሰልፊታት ሽወደን እታ ሃገር ቀረብ ፍርያት ኤለትሪክ ንምውሳኽ ዓቕሚ ኑክሌራዊ ጸዓታ ክተስፍሕ ከም ዝግባኣ ገሊጸን።.

ትማል ሰኑይ ኣብ ጋዜጣ ስቨንስካ ዳግብላዴት ኣብ ዝውጽእዎ ጽሑፍ፡ እዞም መራሕቲ ሰልፊታት፡ ሽወደን ካብ ባህርያዊ ምንጪ ጸዓት ንምግልጋል ተወሰኽቲ መመንጨዊ መንጣጠፍያ (ሪኣክተራት) ኑክሌራዊ ጸዓት ከተማዕብል ከም ዝግባኣ ገሊጸን ኣለዋ።

60% ካብ ጠቕላላ ፍርያት ኤለትሪክ ሽወደን ካብ ተሓዳሲ ምንጪ ጸዓት ከም ዝርከብ ዝገለጹ እቶም ሰልፊታት እዚ ኣገዳሲ ተራ ምጽዋቱ ከም ዝቕጽል ከይጠቐሱ ኣይሓለፉን።

 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com