Friday , May 17 2024

ሽጋራ ምትካኽ፡ ንመልከፍቲ ኮሮና የቃልዕ እዩ ተባሂሉ

ሽጋራ ምትካኽ፡ ንመልከፍቲ ኮሮና ናይ ምቅላዕ ዘለዎ ተራ ኣካታዒ ኮይኑ እኳ እንተጸንሐ ሓድሽ ኣብ ኣመሪካ ዝተኻየደ መጽናዕቲ ከም ዘመልክቶ ግን ሽጋራ ምትካኽ ንመልከፍቲ ኮሮና የቃልዕ እዩ ተባሂሉ። እዚ ውጽኢት፡ ነቲ ዝጸንሐ ክትዕ፡ መደምደምታ ብምግባሩ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ  ክብል ካብ ኣፕሳላ ዩኒቨርሲቲ ፕሮፌሰር ሳናቡእ ክሪስተር ጃንሰን ገሊጹ ክብል ሬድዮ ሽወደን ሓቢራ።

ድሕሪ ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮሮና፡ ሽጋራ ምትካኽ ዘይኮነስ፡ ምስ ምትካኽ ሽጋር ዝተተሓሓዙ ሕማማት ምስትንፋስ እዮም ከም ስግኣት ክረኣዩ ጸኒሖም። ብመሰረት እተኻየደ ሓድሽ መጽናዕቲ 7000 ኣትከኽቲ ሰባት ቫይረስ ኮሮና ከም እተታሕዙ ተረጋጊጹ። በዚ ድማ ምትካኽ ሽጋራ ንባዕሉ ሓደ ካብቶም ዓበይቲ ስግኣታት ጥዕና እዩ ክብሉ ዛዚሞም ኣለዉ።

ብዙሕ ዘትክኹ ሰባት ብኮሮና ናይ ምልካፍ ተኽእሎኦም ጥራይ ዘይኮነ እንተተለኺፎም ኣብ ጽዑቕ ክንክን ናይ ምምዳብ ተኽእሎኦም እውን ዝዓበየ እዩ ኢሉ። ብኣንጻሩ ምትካኽ ካብ ለበዳ ኮሮና ናይ ምክልኻል ተኽእሎ ኣለዎ ዝብሉ ክልሰ-ሓሳባት ኣብ ኣመሪካ ጣልያንን ቻይናን ዝመሰላ ሃገራት ተቐልቂሎም ምንባሮም እንተኾነ ግና ኣብ ብሪጣንያ ዝተኻየደ መጽናዕቲ ነዚ ኣበሃህላ፡ ሓንሳብን ንሓዋሩን ከም ዘፍሸሎ ተገሊጹ። ብመሰረት እቲ መጽናዕቲ ኣትከኽቲ ሽጋራ ካብቶም ዘየትክኹ ብ 40% ዝያዳ ብኮሮና ናይ ምልካፍ ተኽእሎ ኣለዎም ክብል ድማ ኣብሪሁ።

ብሓፈሻ፡ ስርዓተ ምስትንፋስ ሳንኮፍ እንተጸኒሑ፡ ብቫይረስ ኮሮና ናይ ምጥቃዕ ተኽእሎ ክዓቢ ግድነት እዩ ብምባል ዘረብኡ ዛዚሙ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com