Saturday , May 18 2024

ቀዳማይ ሚኒስተር ሽወደን ዝኾነ ስራሕ ብሰንኪ ኮሮና ቫይረስ ዝሳናኸል ሰራሕ ከምዝይህሉ ሓቢሩ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ሽወደን ስቲፈን ትማሊ ሰሉስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ሚኒስትሪ ፋይናንስ ካብቲ ንቡር ብርክት ዝበለ ባጀት ንቐጻልነት ሓለዋ ጥዕና ከም ዝሰልዐን ብምስፍሕፋሕ ቫይረስ ኮሮና ኣብ ሽውደን ይዂን ካልኦት ሃገራት ዝሰናኽል ስራሕ ከም ዘይህሉን ተመልኪቱ። ሽወደን ጽቡቕ ዝበሃል ምድላዋት ጌራ ምህላዋን ነዚ ቅልውላው ንምምካት ክኢላታት ዘድሊ ዕዮ ይዓዩ ምህላዎምን ድማ ገሊጹ። ንሱ ምልባዕ እዚ ሕማም ንምቅላስ ዝግበር ዕዮ ንመንግስቲ ጥራይ ክግደፍ ከም ዘይብሉን ኲሉ ዜጋ ሓላፍነቱ ክዋጻእ ከም ዝግባእን ኣስሚሩሉ።

መንግስቲ ኣድላዪ እንተኾይኑ ህዝቢ ካብ ብጻዕቂ ምእካብን ምርኻብን ክእግድ ከም ዝኽእል እውን ገሊጹ’ሎ። ንሱ ናብ ካርልስታፍን ክሪስተርሃምን ኣብ ዝገበሮ ምብጻሕ እዩ ነዚ ዝገለጸ። ብዘይካዚ ኣብ ሽወደን ሎሚ 60 ናይ ኮረና ኬዛት ከም እተራእዩን ኽልተ ድማ ናብ ጽዑቕ ክንክን ከም ዝተላእኩን ተገሊጹ።፡ ንሱ መጒዳእቲ ዘይብሎም ሰባት ንሰባት ኣእዳዎም ብምጭባጥ ሰላም ምባል ክቕጽሉ ጸገም ከም ዘይብሉ ገሊጹ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com