Sunday , May 19 2024
Foto: Henrik Montgomery / TT / kod 10060

ቀ/ሚ ማግዳሌና ኣንደርሾን፡ “ሽወደን ኣባልነት ኔቶ ምሕታታ ታሪኻዊ መቐይሮ እዩ”።

ሽወደን ንዓሰርተታት ዓመታት ሒዛቶ ዝጸንሐት ወተሃደራዊ-ዘይሻራዊ ፖለቲካ ብምጥንጣን ኣባልነት ኔቶ ክትሓትት ምውሳና፡ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ሽወደን ማግዳሌና ኣንደርሾን ከምኡ’ውን መርሒ ዓቃባዊ ሰልፊ ኡልፍ ክሪስተርሶን፡ ኣብ ዝሃብዎ ሓባራዊ ጋዜጣዊ ዋዕላ ገሊጾም። “ን ድሕነት ሃገርን ህዝብን ሽወደን፡ እቲ ዝበለጸ፡ እታ ሃገር ናብ ኔቶ ምጽንባር እዩ፡ ብፍላይ ድማ ምስ ፊንላንድ ብሓባር ነዚ ምፍጻም እዩ” ክትብል እታ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ትማል ሰኑይ ገሊጻ እያ። ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬይን ዝፈጸመቶ ቅሉዕ ወራር ናይዚ ውሳነ ምጽንባር ኔቶ ቀንዲ ድርኺት ምዃኑ እብቲ ጋዜጣዊ ዋዕላ ከም እተጠቕሰ ሬድዮ ሽወደን ጸብጺባ’ላ።

ሓፈሻዊ ምርጫ ሽወደን፡ ሒደት ኣዋርሕ ጥራይ ተሪፍዎ ኣብ ዘለወሉ እዋን፡ ሽወደን ከምዚ ዝበለ ስጒምቲ ምውሳዳ፡ መንግስቲ እውን እንተተቐየረ እቲ መስርሕ ክሳብ ሽዑ ተማሊኡ ክጸንሕ ዝሕግዝ ክኸውን እዩ። “ኔቶ ልዕሊ ናይ ስልጣን ፖለቲካ እዩ” ክብል መራሒ ናይቲ ዝዓአየ ተቓዋሚ ሰልፊ (ዓቃባዊ ሰልፊ) ምዃኑ ዝንገረሉ ኡልፍ ክሪስተርሰን ኣብቲ ጋዜጣዊ ዋዕላ ኣመልኪቱ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com