Saturday , May 18 2024

ቁጽሪ ናይቶም ንነዊሕ እዋን ካብ ስራሕ ደው ዝበሉ ሰባት፡ ጥርዙ በጺሑ ተባሂሉ

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥሪ 2021 ዝወጸ ጸብጻባት ቤት ጽሕፈት ዕዮ ከምዝሕብሮ፡ ኣስታት 179 ሽሕ ሰባት ንልዕሊ 12 ኣዋርሕ ብዘይስራሕ ከምዘለዉን እዚ ቁጽሪ ምስ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ክነጻጸር እንከሎ ብ25 ሽሕ ወሲኹ። እዚ ድማ እቲ ኣብ ታሪኽ ሽወደን፡ ዝለዓለ ንዝነወሐ እዋን ብዘይ ስራሕ ዝጸንሑ ብዝሒ ቁጽሪ ሰባት ከምዝኾነ ሬድዮ ሽወደን ገሊጹ።

ጠቕላላ ድምር ናይቶም ብዘይ ስራሕ ደው ኢሎም ዘለዉ ሰባት፡ 460 ሽሕ በጺሑ ከምዘሎን እዚ ድማ ንመጠን ሽቕለት ኣልቦነት ናብ 8.8% ኣብጺሕዎ ከምዘሎ ይፍለጥ።

ብመሰረት ጸብጻባት ማዕከን ዜና ሽወደን፡ ቁጽሪ ናይቶም ስራሕ ደው ዝበሉ ኮይኖም ናብ ትምህርቲ ዝተመልሱ ሰባት እናበዝሐ ምምጽኡ ሓቢሩ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥሪ፡ 62 ሽሕ ኣብ ክሊ ዕድመ 18 ክሳብ 24 ዓመት ዝዕድሚኦም መንእሰያት፡ ስራሕ ኣልቦ ምዃኖም ክፍለጥ እንከሎ እቲ መጠን 11.8% ኮይኑ፡ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ብ12 ሽሕ ምውሳኹ ተፈሊጡ። ብዙሓት ሰባት ናብ ትምህርቲ ስለዝኸዱ እምበር፡ እቲ ቁጽሪ፡ ካብዚ ንላዕሊ ምኾነ ነይሩ ክብል እቲ ጸብጻብ ሓቢሩ።  


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com