Friday , May 17 2024

ቅልውላው ለበዳ ኮሮና ብዘስዓቦ ምኽንያት ሓደ ጎሪላ ተቐቲሉ።

ካብቶም ዓሌቶም ኣብ ምጽናት ዝርከቡን ኣብ መካነ እንስሳ ቢዊንዲ ኡጋንዳ ዝተዓቚቡን ብሩራዊ ዝዓይነቱ ተባዕታይ ጐሪላ ምሟቱ ጸብጻብ ዎርልድ ዋይልድ ላይፍ ኣመልኪቱ። ጎሪላ ካብቶም ሃዳኖ ናብ ደረት ምጽናት ዘብጽሕዎም እንስሳታት ሓደ እዩ። በዚ ድማ ካብ ኲናውቲ ሃዳኖ ተዓቚቦም ኣብ ጽቡቕ ኲነታት ብምጽንሖም እዚ ፍጻመ ዘሕዝን ምዃኑ ተመልኪቱ’ሎ። ሓደ ካብቶም ነዚ ፈቓቕ ድሕነት ክፈጥሩ ዝኸኣሉ ረቛሒታት ጒዳይ ለበዳ ኮሮና እዩ ተባሂሉ’ሎ። ብምኽንያት ዋሕዲ በጻሕቲ ኣብ መካነ እንስሳ ዝሰርሑ ዝነበሩ ዋርድያ ብምንካዮም እቶም ጐሪላ ግዳያት ሃዳኖ ይኾኑ ምህላዎም ኣብ ዎርልድ ዋይልድ ላይፍ ክኢላ ጐሪላ ኣላን ካርልሰን ሓቢሩ። እዚ ሕጂ ተቐቲሉ ዝበሃል ዘሎ ጐሪላ ተመራመርቲን በጻሕቲን ብብዝሒ እዮም ዝርእይዎ ኔሮም። ኣብዚ ዘይሕጋዊ ሃድን ተሳቲፍኩም ብዝብል ዛጊት ኣርባዕተ ሰባት ተጠርጢሮም ኣብ ቊጽጽር ውዒሎም ኣለዉ። ኣብ መላእ ኣፍሪቃ 1063 ዝኾኑ ጐሪላ እምባ ምህላዎም ክኢላታት ይሕብሩ። ካብዚኦም እቶም 459 ዝኾኑ ኣብ መካነ እንስሳ ቢዊንዲ ኡጋንዳ እዮም ዝነብሩ። ቢዊንዲ ኣብ ጠረፍ ኡጋንዳ ሩዋንዳን ኮንጐን ዝርከብ ጫካ እዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com