Saturday , May 18 2024
Foto: Privat / Handout / kod 10500

ቅልውላው ሊባኖስ መሊሱ ይጋደድ

ቀዳማይ ሚኒስተር ሊባኖስ ዝመዘዞ ሳዓድ ሓሪሪ ሓድሽ መንግስቲ ከቕውም ብዘይምኽኣሉ ቅልውላው እታ ሃገር መመሊሱ ይጋደድ ምህላዉ ተገሊጹ።

ሓሪሪ፡ ምስ ፕረሲደንት ሚሸል ዖን፡ ብዛዕባ ስልጣን ካቢነ ክሰማማዕ ዘይምኽኣሉ ሓደ ካብ ጠንቂ እዚ ቅልውላው እዩ ተባሂሉ’ሎ። ኣብ ቤይሩት ዝሓለፈ ነሓሰ ብዘጋጠመን 200 ሰባት ዝቐትለን ሓያል ነትጒ ሽዕ ዝነበረ መንግስቲ ብፍቓዱ ስልጣን ምሕዳጉ ዝዝከር እዩ። ካብ ሽዑ ንደሓር፡ ቊጠባዊ ቅልውላው ሊባኖስ፡ እናተጋደደ ምምጻኡ’ውን ተገሊጹ። ኣብ ሊባኖስ ብሰንኪ ምንቊልቋል ዋጋ ባጤራ እታ ሃገር፡ ከቢድ ዝቕባባ ብምስዓቡ፡ ህዝቢ፡ መግቢ ነዳዲን ኣገልግሎት ኤለትሪክን ክረክብ ኣመና ይጽገም ኣሎ።

ኩነታት ሊባኖስ፡ ብሰንኪ ፖለቲከኛታት እታ ሃገር ንቕድሚት ክግስግሱ ዘይምኽኣሎም ዝተኸስተ እዩ፡ ክብል ባንክ ዓለም ገሊጹ’ሎ።

ሊባኖስ ሓድሽ መንግስቲ ኣቚማ ክሳብ ንብልሽውና እትቃለስ፡ ካልኦት ሃገራት ናይ ቢልዮናት ዶላራት ሓገዛት ከም ዘይህባኣ ይገልጻ ኣለዋ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com