Sunday , May 19 2024
Beneficiaries queue for multi-purpose cash assistance from World Vision and distributed by Berhan Bank, in the Enderta district near Mekele, the capital of the Tigray region of Ethiopia Saturday, Feb. 13, 2021. (Solomon Bekele/World Vision Ethiopia via AP) NAI801

ቅልውላው ትግራይ: ህዝቢ ኣብ ኣዝዩ ሕማቕ ኲነታት ይርከብ

ብሰንኪ’ቲ ኣብ ክልል ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ህዝቢ ትግራይ ኣብ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ከም ዝርከብ ኣህጒራዊ ኮሚተ ቀይሕ መስቀል ኣጠንቂቑ።

“ህዝቢ ትግራይ ብሰንኪ እቲ ኲናት ምህርቲ ክሓፍስ ኣይከኣለን” ክብል ዳይረክተር ስርሒታት ኣህጒራዊ ኮሚተ ቀይሕ መስቀል ዶሚኒክ ስቲልሃርት ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ጻንሒት ገሊጹ።

ንሱ ኣብ ትግራይ “ኣዝዩ ከቢድ ሕጽረት ሕክምናዊ ናውቲ” ምህላዉ እውን ወሲኹ ኣመልኪቱ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ጻቐድም ኣቢሉ ነዚ ናውቲ ከም ዘማልአን 1.5 ሚልዮን ሰባት ዘድልዮም ረድኤት ከም ዝረኸቡን እዩ ዝገልጽ። እንተኾነ ግና ኣብ ባይታ ዘሎ ጭቡጥ ኲነታት ካብቲ ናይ መንግስቲ ጸብጻብ ኣዝዩ ዝተፈልየ ምዃኑ እዩ ዝግለጽ። በቲ ግርጭት ዛጊት ኣሽሓት ሰባት ከም ዝሞቱን ክልተ ሚልዮን ዝኾኑ ድማ ካብ መረበቶም ከም ዝተመዛበሉን ጸብጻባት የመልክቱ።

ብዘይካዚ ብሰንኪ እቲ ኲናት ኣብተን ብሕቡራት ሃገራት ዝናበያ መዓስከራት ትግራይ ዝነበሩ 100 ሽሕ ዝኾኑ ኤርትራውያን ስደተኛታት ናብ ናይ ኩናት ዞባ ምእታወን እዩ ዝግለጽ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ወርሒ ሕዳር ናይ ዝሓለፈ ዓመት ሓይልታት ህወሓት ኣብቲ ክልል ንዝነበረ ወተሃደራዊ ቤዝ ምስ ኣጥቅዑ እቲ ኲናት ከም ዝተጀመረ እዩ ዝገልጽ።

ማእከላይ መንግስቲ ምሉእ ዓወት ረኺበ እየ እኳ እንተበለ ዛጊት መራኸቢ ብዙሃንን ትካላት ረድኤትን ናብታ ክልል ከይኣትዋ ዓጊቱ ይርከብ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com