Sunday , May 19 2024

ቆንስላት ሕጊ ኣብ ልዕሊ ገበነኛታት ትሕቲ ዕድመ ኰተቴ ብዛዕባ ክውሰድ ዝግብኦ መቕጻዕቲ ዛዕባ ንዝገበረ እማመ ተዛትዮምሉ።

መንግስቲ ሽወደን ነቲ ገበነኛታት ኰተቴ ብሕጊ ተቐጻዕቲ ዝዀኑሉ እማመኡ ሎሚ ን ቆንስላ ሕጊ ምቕራቡ ተፈሊጡ። እቲ እማመ እዞም ገበን ዝፍጽሙ ኰተቴ ኣራሚ ናይ ሕጊ መቕጻዕቲ ንኽወሃቦም ዝደፍእ እዩ ተባሂሉ’ሎ። ገለ ካብዞም መቕጻዕቲታት ናብ ገለ ቦታታት ንኸይከዱ፥ ኣብ ትሕቲ መርመራ ንኽጸንሑን ኣብ ቀዳመ ሰንበት ክሕየሩን ዝገብር ውሳነታት ምሕላፍ ከም ዘጠቓልል ሚኒስተር ፍትሒ ሽወደን ሞርጋን ጆንሰን ገሊጹ።

እዚ ኣገባብ መቕጻሕቲ ገበን ንዝፍጽሙ መንእሰያት ዘየተባብዕ ብምዃኑ ተማሂሮም ናብ ንቡር ህይወት ክምለሱ ዝገብር እዩ ዝብል እምንቶ ከም ዘለዋ እውን ገሊጻ’ላ። እዚ መቕጻዕቲ ኣብ ክሊ 15-17 ንዘለዉ ኰተቴ ዝምልከት ኰይኑ ትሕቲ ዕስራ ብሓፈሻ ዘሎ ሕድገት ዘጠቓልል እዩ።

ተቓወምቲ ሰልፊታት ነዚ እማመ ተቐቢሎሞ ኣለዉ። ኣፈኛ ዓቃባዊ ሰልፊ ካብ 2013 ጀሚራ ክተኣታቶ ትጽዕረሉ ሓሳብ ምንባሩን ሕጂ ከምዚሉ ቀሪቡ ምርኣያን ከም ዘሐጐሳ ገሊጻ። እዚ እማመ ብሚኒስተር ፍትሒ ጸዲቑ ካብ ባሕቲ ሓምለ ዝመጽእ ዓመት ንደሓር ናብ ትግባረ ክሰጋገር እዩ። ብዘይካዚ እቲ ሚኒስተር መንግስቲ ውዱባት ገበናትን ኣብ መንእሰያት ዘጋጥሙ ጎነጽን ንምቅላስ ዕቱብ ስጒምቲታት ንምውሳድ ተዳልዩ ኣሎ ኢሉ። እዚ ሕጊ ምስቲ ኣብ ሽወደን ዝጸንሐ ንውሉድካ ዝደልዮ ነገር እናሓረምካ ምቕጻዕ ዝብል ባህሊ ዝሳነ እዩ ተባሂሉ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com