Monday , May 20 2024
Jessica Gow / TT kod 10070

ቊጠባ ሽወደን ይሓዊ ምህላዉ ሚኒስተር ፋይናንስ ገሊጻ።

ቊጠባ ሽወደን ዳግማይ ናይ ምብርባር ምልክታት የርኢ ምህላዉ SVT ን ሚኒስተር ፋይናንስ ሽወደን ማግዳሊን ኣንደርሰን ብምጥቃስ ሓቢሩ። እዚ ይዂንምበር ምስቲ ቅድሚ ምብራዕ ለበዳ ኮሮና ዝነበረ ኲነታት እንክወዳደር ገና ዝሑል ምህላዉ ኣመልኪታ። “ቊጠባ ይበራበር ምህላዉ ዘየጠራጥሩ ምልክታት ኣለዉ፥ ይኹንምበር ካብ ዝተሓተ ደረጃ እዩ ዝትንስእ ዘሎ” ክብል ኣንደርሰን ኣብ ዝሃበቶ ጋዜጣዊ ዋዕላ ኣመልኪታ። ቊጽሪ ስራሕ ኣልቦ ዜጋታት ኣብ ወርሓት መጋቢትን ሚያዝያን ምውሳዂን መሊሱ ክውስኽ እዩ ዝብል ትንበያ ምህላውን ድማ ኣብሪሃ።

ኣብ ወርሓ ሚያዝያ ሽቕለት ኣልቦነት 8.1% ምናባሩን ካብ 2014 ንደሓር እቲ ዝለዓለ ኣሃዝ ሙኻኑን፣ በዚ ቅልውላው ዝያዳ ዝተተንከፉ መንእሰያት ኮይኖም ብዙሕ ናይ ወቕቲ ሳመር ስራሕ ከሲሮም ኣለዉ። ኣብ ዕዳጋ ሽቕለት ዘሎ ምጥርጣር ቀንዲ ምንጪ እዚ ሽቕለት ኣልቦነት ምዃኑ ማግዳለን ኣንደርሰን ትገልጾ። ብዘይካዚ ዕዳታት ምስራዝ ትጽቢትን ካብ ትጽቢት መንግስቲ ወጻኢ ዝለዓለ ኮይኑ ከም እተረኽበን ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ክሳብ 5.3 ቢልዮን ክሮና ምብጽሑን ተመልኪቱ። እዚ ወጻኢ ኣብ ወርሓ ግንቦት 6.5 ቢልዮን ክሮና ክበጽሕ እዩ ዝብል ትንበያ እውን ጸኒሑ እዩ። ካሕሳ ትጽቢት ንባዕሉ ልዕሊ 1 ቢልዮን ክሮና ሓሊፉ እዩ ተባሂሉ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com