Saturday , May 18 2024
Fredrik Sandberg/TT Hurra! Pandemin är över. Eller? Nej, inte riktigt. Men i dag slopas de flesta restriktionerna i samhället. Arkivbild.

ቐይድታት ኮሮና ሎሚ ተላዒሉ ።

ክልተ ዓመት ኣብ ሽወደንን ዓለምን ኣዝዩ ኣሸጋሪ ኩነታት ፈጢሩ ዝጸንሐ ኩነታት ለበዳ ኮሮና ንምክልኻል ተነቢሮም ዝጸንሑ ዳርጋ ኩሎም ማሕበራዉን ናይ ምንቅስቓስ እገዳታት መምርሕታትን ሎሚ መዓልቲ 9 ለካቲት 2022 ብወግዒ ከምዝተላዕለ ተሓቢሩ። ብመሰረት እቲ ሓበሬታ ኩሎም እገዳታት ብምልዓል ንቡር ሂወት ከምዝተጀመረ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ። ይኹን እምበር ሃገራዊ ማሕበር ሰራሕተኛታት ሕክምና እዚ ቅልጡፍ ምልዓል ኣብ ልዕሊ ሕክምና ዓቢ ተጽዕኖ ክፍጠር ዘሎዎ ተኽሎ ዓቢ ከምዝኾነን፣ ነዚ ዝበቅዕ ምድላዋት ክግበር ከምዘሎዎ ጻዉዒት ኣቕሪቡ ኣሎ። 

  እዚ ሎሚ ረቡዕ መብዛሕትኡ ናይ covid-19 ስጕምትታት ምስምውድኡ ንብዙሓት የሐጕሱዎም ከምዘሎ ኣብ ዝተፈላለየ ማዕከናት ዜና እንዳቐረቡ ርይቶኦም ዝህቡ ዘሎዉ ትካላትን ዉልቀ ዜጋታትን ይሕብሩ ኣሎዉ። 

ይኹን እምበር ሰራሕተኛታት ሆስፒታላትን መዉሃቢ ሕጹጽ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ግን እዚ ሕጂ ተላዒሉ ዘሎ ቀይድታት ኣዝዩ ህዉኹን ሳዕቤን ዘሎዎን ከምዝኾነ ብመረረ ይገልጹ ከምዘሎዉ ይሕብሩ፣ ብተወሳኺ እዚ ናይ ሎሚ ምልዓል ቀይድታት ሳዕቤኑ ዓቢ ክኸዉን ከምዝኽእል ኣጠንቂቖም ኣሎዉ። 

 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com