Sunday , May 19 2024

በዓልመዚ ህዝባዊ ጥዕና ሽወደን ልዕሊ 500 ሰባት ከይእከቡ ክኸልክል እዩ።

በዓልመዚ ህዝባዊ ጥዕና መንግስቲ ሽወደን ልዕሊ 500 ሰባት ከይእከቡ ዝኸልክል ሕጊ ከውጽእ ጻውዒት ኣቕሪቡ። እቲ በዓልመዚ ሎሚ ኣብ ዝሰደዶ ለበዋ ቫይረስ ኮሮና የስፋሕፍሕ ምህላዉን በዚ ድማ ልዕሊ 500 ሰባት ከይእከቡ ክኸልክል ሕጊ ክወጽእ ከም ዝግባእ ኣመልኪቱ’ሎ። እዚ ለበዋ ንስፖርታዊ ምትእኽኻብ፥ ኮንሰርትታት፥ ኤክዚብሽናት፥ ኮንፈረንስ ዝምልከት ኮይኑ ካብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ናብ ሽወደን ዝመጹ ሰባት ዝገብርዎ ምትእኽኻባት ንምውጋድ ዝዓለመ እዩ። “እዚ ለበዋ ኣብ መላእ ሃገር ክትግበር ክኽእል ኣለዎ” ክብክ ጀነራል ዳይረክተር በዓልመዚ ጥዕና ጆሃን ካርልሰን ሓቢሩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com