Saturday , May 18 2024

በዓልመዚ ኣብያተ ትምህርቲ ምስክር ወረቐት ንዘይብሎም መማህራን ናይ ምምራሕ ሓገዝ ይህብ ምህላዉ ተገሊጹ።

ናይ መባእታ መማህራን ጠለብ ምስ ምዕባዩ በዓልመዚ ኣብያተ ትምህርቲ ምስክር ወረቐት ንዘይብሎም መማህራን ናይ ምምራሕ ሓገዝ ብናይ ኦንላይን ኣገልግሎት ይህብ ምህላዉ ተገሊጹ። ኣብያተ ትምህርቲ ሽወደን ብዙሓት ምስክር ወረቐት ዘይብሎም መማህራን ቈጺረን ከም ዘስርሓ ይፍለጥ። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ኣዝዩ ጽንኩር ሕጽረት መማህራን ምዃኑ’ውን ተመልኪቱ’ሎ።

ዝሓለፈ ዓመት ክሳብ 70 ሚእታዊት ካብ መማህራን ጥራይ ወረቐት ምስክር ዘለዎም ምዃኑ ዝተመልከተ ኮይኑ ኣብ ዝቕጽል ዓሰርተ ዓመታት ካብ 80 ሽሕ ንላዕሊ መማህራን ክድለዩ ምዃኖም ሬድዮ EKOT ሓቢራ’ላ። ማሕበር መማህራን ነዚ ብኦንላይን ናይ ምሕጋዝ ኣገባብ ነቒፍዎ’ሎ። እዚ ኣገባብ ምንም ብቕዓት ንዘይብሎም ሰባት ተቘጺሮም ንኽቕጽሉ ዘተባብዕ ግጉይ መንገዲ እዩ ክብል ድማ ወቒስዎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com