Sunday , May 19 2024
Britta Björkholm, Head of Department at the Public Health Agency of Sweden, does not think it is an effective measure to mass test students and teachers at one point. Foto: Jonas Ekströmer / TT / kod 10030

በዓል መዚ ህዝባዊ ጥዕና ሽወደን: ንኹሎም ተመሃሮ ምምርማር “ውጺታዊ ኣይኮነን” ይብል

ናይ ኖርወይ ተመሃሮ ቅድሚ ትምህርቲ ምጅማሩ ነቲ መልከፈቲ ንምዕጋት ንኽሕግዝ ተባሂሉ ናይ ኮቪድ-19 መርመራ ኽግበረሎም ከም ዝኾነ ተፈሊጡ። ይኹን እምበር፡ በዓል መዚ ኣገልግሎት ህዝባዊ ጥዕና ሽወደን: ተመሳሳሊ ጅምላዊ መርመራ ንኽግበር ምክሪ ከምዘይሃበ ተፈሊጡ’ሎ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።

ናይ ኖርወይ ዳይረክተር ተመሓላለፍቲ ሕማማት (Director of Infectious Diseasesዝኾነ ፍሮደ ፎርላንድ: ኣብ ቀረባ እዋን ን SVT ኒውስ ከምዝሓበሮ፡ ኩሎም ዕድሚኦም ንትመህርቲ ዝበጽሑ ተመሃሮ፡ በዓል ልደት ምስ ሓለፈ ቅድሚ ናብ ቤት ትምህርቲ ምምላሶም መርመራ ናይ ኮቪድ-19 ክገብሩ ከምዝተነገሮም ገሊጹ። እቶም መማህራን’ውን ተመርሚሮም ክመጹ ከም ዝተነገሮም ተፈሊጡ’ሎ።

ይኹን እምበር፡ በዓል መዚ ኣገልግሎት ህዝባዊ ጥዕና ሽወደን ንተመሃሮን መማሃራንን ብጅምላ ናይ መምርማር ውጥን ከምዘይብሉ ዋና ሓላፊት ዝኾነት: ብሪታ ቢዮርክሆልም: ብሮቡዕ ኣብ ዝሃበቶ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣፍሊጣ’ላ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን እዚ መምርሒ ምትእትታው ጥቕሚ ኣለዎ ዝብል ገምገማ የብልናን። ልዕሊ ኹሉ፡ እቲ መርመራ፤ ኣብ ሓደ ግዜ ዝውሰድን፤ ናይቲ እዋን ውጽኢት ጥራይ ዝሕብር እዩ። እዚ ድማ ሓንሳብ ጥራይ ብምግባር፡ ውጽኢታዊ ስጉምቲ እዩ ዝብል እምነት የብልናን” ክትብል ኣብሪሃ።

ቢዮርክሆልም፡ ኣብ ቤት ትምህርትታት ከጋጥም ዝኽእል ምስፍሕፋሕ መልከፍቲ ብዝምልከት ናይ ደገ ንጥፈታት ብምትእትታውን ኮምኡ ድማ ምስ ካልኦት ጉጅለታት ምትሕውዋስ ብምውጋድን ብዝኣመሰሉ ናይ ቅድመ-ምክልኻል ስራሓት ብምትግባር ነቲ መልከፍቲ ምንካይ ትኹረት ምግባር ዝሓሸ ከምዝኾነ እያ ትገልጽ።

እቲ ቤት ትምህርቲ: ናይቶም መማህራን ናይ ስራሕ ቦትኦም እዩ፥ ስለዚ እንድሕር ኣብ ገዝኦም ኮይኖም ክሰርሑሉ ዝኽእሉሉ ዕድል ኣሎ ኮይኑ፡ ነቲ ዘየድልይ ምትንኻፋት ንምእላይ እቲ ስራሓት ብዲጂታል መንገዲ ብምጥቃም ኣኼባታት ምክያድ ይከኣል እዩ። እዚ ድማ ከም እማመ ኮይኑ ቀሪቡ እዩ” ክትብል ወሲኻ ገሊጻ።

ንመጻኢ፡ እቲ ምስፍሕፋሕ መልከፍቲ እንዳበዝሐ እንድሕር ከይዱ፡ በዓል መዚ ኣገልግሎት ህዝባዊ ጥዕና ሽወደን፡ እቲ ናይ ምምሃር መስርሕ ብናይ ርሕቀት ኣገልግሎት ንኽትካእ ሓሳብ ከቕርብ ከምዝኽእል ኣተሓሳሲቡ።

ክንርእዮ ኢና። እዚ ሓሳብ’ዚ፡ ኣብቲ ሕጂ ዘሎ ውጥን ከም ሓደ ኣማራጺ መፍትሒ ኮይኑ ተኣታትዩ ኣሎ። እብዚ ሕጂ ግዜ ንጹር ዝኾነ ዝተወሰነ ነገር የለን” ክትብል ቢዮርክሆልም ኣፍሊጣ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com