Friday , May 17 2024

በዓል መዚ መጓዓዝያ ሽወደን፡ መጠነ ፍጥነት ተሽከርከርቲ፡ ኣጉዲሉ

በዓል መዚ መጓዓዝያ ሽወደን፡ ኣብ 340 ኪሎ ሜተር ዝንውሓቱ ጽርግያታት፡ መጠን ፍጥነት ተሽከርከርቲ፡ ከምዘጉደለ ሓቢሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ንጸብጻብ ሬድዮ ኢኮት ምርኩስ ብምግባር ኣቃሊሑ።

ምጉዳል መጠን ፍጥነት መካይን፡ ኣብ ጻዕቂ ተሽከርከርቲ ዘለዎን መንገዲ ባቡር ዘይስንጥቖም ጽርግያታትን ዝምልከት ኮይኑ፡ እቲ ፍጥነት ካብ 90 ናብ 80 ክኸውን እዩ። እዚ ድማ፡ ሓደ ክፋል ካብቲ ኣብ ዓመተ 2025 ክዛዘም ተመዲቡ ዘሎ ናይ ዓሰርተ ዓመታት መደብ ምኻኑ፡ እቲ በዓል መዚ ኣፍሊጡ።

ዝሓለፈ ዓመት፡ ኣብ 120 ኪሎ ሜተር ንውሓት ዘለዎም ጽርግያታት፡ መጠን ፍጥነት ተሽከርከርቲ፡ ካብ 90 ናብ 80 ምጉዳሉ ይዝከር። እዚ ፍጥነት ናይ ምጉዳል መደብ፡ ንብዝሒ ሓደጋታት ትራፊክ ንምቕናስ ተባሂሉ ዝተወጠነ መደብ ምኻኑ ተገሊጹ።

ናይዚ ዓመት መደብ፡ ንሱንድስቫል ምስ ያርፐንን ዘራኽብ ጽርግያ E14 ን ካልኦት ምስ ሃላንድ፡ ክሮኖበሪን ስኮነን ዘራኽቡ ናይ ጨንፈር ጽርግያታትን  ዘጠቓልል ክኸውን እዩ ክብል’ቲ በዓል መዚ ሓቢሩ።

ብዙሓት ሰባት በዚ መደብ ዕጉባት ምኻኖም ይሕብሩ’ኳ እንተሃለዉ፡ ገለ ሰባት ግን በዚ መደብ ዕጉባት ከምዘይኮኑን መፍትሒ ናይቲ ዘሎ ጸገም፡ ተወሳኺ ጽርግያታት ምህናጽ እዩ ክብሉ ተሰሚዖም።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com