Sunday , May 19 2024

በዓል መዚ ኢሚግሬሽን፡ ነቲ ዝቐረበ ሓድሽ እማመ ሕጊ ነቒፍዎ

በዓል መዚ ኢሚሬሽን፡ ነቲ ዝቐርበ ሓድሽ እማመ ሕጊ ኢሚግሬሽን ከም ዝነቐፎ ተገሊጹ። ብሰንኪ ሕጽረት ምልከት ቋንቋ ሽወደንን ምፍላጥ ባህሊ ሕብረተሰብ ሽወደን፡ ሰብ ሞያ ዝኾኑ ክኢላታት ሰራሕተኛታት ስደተኛታት ናብ ሃገሮም ክስጎጉ ዝብል እማመ ድሕሪ ምቕራቡ ዝሰዓበ ነቐፌታ እዩ።

ዳይረክተር ጀነራል፡ በዓል መዚ ኢሚግሬሽን፡ ሚካኤል ሬፕኒቪክ፡ ምስ ኤኮት ኣብ ዝካየዶ ቃለመሕትት፡ እዚ ቐሪቡ ዘሎ፡ ነዞም ሞያውያን ዝወሃብ ዝነበረ ግዝያዊ ነባርነት ተሪፉ ናብ ቀዋሚ ነባርነት ምቕያር ዝብል እማመ፡ ኣመና ጽንኲር ብምዃኑ ንሽወደን ብዘይ ክኢላዊ ዓቕሚ ከትርፋ ይኽእል እዩ ኢሉ።

እቲ በዓልመዚ ብተወሳኺ፡ ስደተኛታት ነዚ ረቛሒታት ናይዚ እማመ መታን ከማልኡን ምስ ዘለዉዎ ኩነታት ንነብሶም ከመሳስሉን እኹል ግዜ ክወሃቦም ከም ዝግባእን ንምንዋሕ መንበሪ ፍቓድ ብዝምልከት፡ ኣብ ልዕሊ እቲ በዓልመዚ ዓቢ ጸቕጢ ክገብር ከምዝኽእል ሓቢሩ። ዛጊት እቲ በዓል መዚ፡  ኣብ ጉዳይ ስደተኛታት ንኽውስን፡ ግዜያዊ መንበሪ ፍቓድ ጥራይ ክህብ ከምዝኾነ ድማ ኣመልኪቱ።

ኣብ መፋርቕ ወርሒ መስከረም፡ ኮሚተ ኢሚግሬሽን ባይቶ ሽወደን፡ ናይ መወዳእታ ዝበሎ ጸብጻቡ ምቕራቡ ዝዝከር ኮይኑ፡ ናይ መብዛሕትኦም ሰልፊታት ደገፍ ዘይረኸበ ሓፈሻዊ እማመ ከም ዘቕረበ ይፍለጥ።

ገለ ካብቲ ኣብቲ እማመ ዝቐረቡ ነጥብታት፡ ሓደ ግዝያዊ መንበሪ ፍቓድ ዝተዋህቦ ስደተኛ፡ ምልከት ቋንቋን ኣፍልጦ ሕብረተሰብ ሽወደንን እንተ ኣማዕቢሉን ነብሱ እንተድኣ ክኢሉን፡ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ዓመታት፡ ቀዋሚ መንበሪ ፍቓድ ክዋሃቦ ዝብልን ስድራ ቤት ንምጥርናፍ ድማ እቲ ስደተኛ፡ ዓቕሚ ክህልዎ ዝጠቅስ እዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com